ናይ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)

ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ መደብ- ዕዮ

 

መእተዊ

 

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት መሪር ዝኾነ ቃልስን ህይወትን ድሕሪ ምኽፋል ብ1993 ናጽነት ኣረጋግጹ፡፡ እቲ ዝተረጋገጸ ናጽነት ግን ምሉእ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ዲሞክራስያዊን፣ ፖለቲካዊ መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ ንህዝቢታትን ብሄራት ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጊኑ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኸቢድ ስቃይ ኣኢትዩ ኣሎ፡፡ ኤርትራ ናይ ትሽዓተ ብሄራት ቤት ማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ መላኽነትን ትምክሕትን ዝምዕብለሉ ሃገር ኮይና፡፡ መላኽነትን ትምክሕቲ ዝምዕብለሉ ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሕማቅ ክትጥመት ኮይና፡፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ነዚ መንገዲ ናተይ ኢሉ ተቐቢሉ ይንቀሳቐስ ብምህላው ኣብ ኤርትራ ሰላም፣ ርግኣትን፣ ቁጠባዊ ዕብየት ንክህሉ ዕድል ኣይተረኽበን፡፡

 

ኣብ ፖለቲካዊ መሰላት

 

ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መላኺ መንግስቲ ሻዕቢያ ኩሎም ፖለቲካዊ መሰላት ብስስዔ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ከም መሸላ ብሪብዒትን ብስፍሪ ንክዕድለና ስለ ዝተላዓለ እቲ ዝተረጋገጸ ናጽነት ብሄራት ኤርትራ ንከስተማቅሩዎ ኣይከኣሉን፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ነዚ ትምክሕተኛ መንግስቲ ዝቓወሙ ወይ ከኣ ኣንጻር መንግስቲ ሻዕቢያ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ንክህሉውን ንክፍጠሩን ግድን ኮይኑ፡፡ ንሰላሳ ዓመት ዘፍሰስናዮ ደምን ዝኸስከስናዮ ኣዕጽምቲ ከይኣክል ሕጂ እውን ደም ክነፍስስ ዘገድድ መንግስቲ ብምፍጣሩ እንሆ ነፍስስ ኣሎና፡፡

 

ብሄራት ኤርትራ ብምሉኦም ‹‹መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል›› ናይ ምርግጋጽ ዕድል፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ኣምሪሩ ምቅዋሙ ከይኣኽሎ በዚ ቅዱስ ዕላማ ኣቢሎም ሓድነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ንዝተላዓሉ ደቂ ሃገር ከም ጸላኢ ብምርኣይ ከም ዜጋ ክረኽቡዎ ዝግብኦም መሰል ብምዕፋን ካብ ሃገሮም ንክስደዱ የገዲዶም ኣሎ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ኤርትራ እዚ ቅዱስ ዕላማ ከም ነውሪ ተራእዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰውራዊ ዲሞክራሲ ንፋስ ነፊሱ ብሄራት ብውልቀ ኮነ ብጥርኑፍ ክረኽቡዎ ዝግብኦም መሰል መንግስቲ ሻዕቢያ ፈጽሙ ዓጽዩዎ፡፡ ኤርትራዊ ኩናማ፡ ኩናማ ብምኻኑ ቋንቁኡን፣ ባህሉ ንከማዕብልን ባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰል ሃልዩዎ ብቋንቁኡን ብደቁን ናይ ዳይንነት መሰሉ ንምርግጋጽ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መንገዲ ምኻኑ ፈሊጡ ንክንቀሳቐስ ሻዕቢያ ዕድል ኣይሃቦን፡፡ ‹‹መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል›› ዝብል መትከል ከም መሰሎም ተጠቂሞም ንናይ ሃገር ርግኣትን፣ ቅሳነትን፣ ዜጋታት ብሄራዊ ሓድነቶም ንከየረጋግጹ መንግስቲ ሻዕቢያ ብኹሉ ሸነኽ ሎኪቱ ዓጽዩዎ፡፡ ‹‹መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል›› መትከል እንተተጠቂሞም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ብሄራት ከም ዘይፈርስ ሻዕቢያ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጦን ንህላዌኡ ብምፍትታኑ ብሄራዊ ውደባ ኮነ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል ዝብል መትከል ትርጉም ከም ዝስእን ገይሩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድልየቱ ቋንቁኡን ባህሉን ኣማዕቢሉ ኣከባቢኡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ንከመሓድር ሰውራዊ ዲሞክራሲ ቅኑዕ መስመር ምኻኑን ሓድነቶም ንክሕልው ሕጂ እውን ሰውራዊ ዲሞክራሲ ሓቀኛ መስመር ምኻኑ ርዱእ እዩ፡፡ ሓድነት ኤርትራን፣ ብሄራትን፣ ሓድነት ኩናማ ንከውሕስን ንምዕቃብ ሕጂ እውን ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ እንኮ ኣማራጺ መገዲ እዩ፡፡ ስለዚ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል ዝብል መትከል ንሃገራዊን፣ ንሓድነት ብሄራት ዋሕስ ብምኻኑ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊ መሰላት ብዘይ ገደብ ዝረጋገጸሉ መንገዲ እዚን እዚ ጥራይ እዩ፡፡

 

ሰብኣዊ ኮነ ዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ክሊ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ካብ ምትእኽኻብ ጀሚሩ ክሳዕ ህዝቢታት ክግለጽ ይግባእ፡፡ ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኹሎም ማዕረ ምኻኖም ክረጋገጽ ይግባእ፡፡

 

ኣብ ቁጠባ

 

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ መነባብርኡ ኣብ ሕርሻን ውጽኢቱን ዝተመሰረተ እዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕርሻ ዝነባበር ህዝቢ ቁጠቡኡን ዓቅሙን ንክዓቢ ኣብ መነባብርኡ ለውጢ ንምምጻእ ናይ መሬትን፣ ሃብቲ መሬት ዝምልከት ንጹር ሕጊታትን ቅዋምን ንህዝቢ ዘማእኸለን ዝጠቅምን ብምውጻእ እዞም ሕጊታት ነቲ ብቁጠቡኡን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዘሎ ድኻ ህዝቢ ዘማዕብል ክኸውን ኣለዎ፡፡ ንሕርሻ ኮነ ንመስርሒ ገዛ ዝኸውን መሬት መንግስትን ህዝብን ዝውንኖ ኮይኑ፡ ነቲ ብሕርሻ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ብዝጥዕም ኣገባብ ክመዓራረ ኣለዎ፡፡

 

ኣብ ኢድ መንግስቲ ጥራይ ኮይኑ ከምዚ ሕጂ ስርዓት ሻዕቢያ ዝጥቀመሉ ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ጥራይ ተባሒቱ ናይ ሰብ ርእሰ-ማል ተመጽዋእትነት ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ከምዚ ክንብል ከሎና ሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ከዋፍሩ የብሎምን ማለት ኣይኮነን፡፡ መሬት ኣይሽየጥን ኣይልወጥን፡፡ ህዝቢ ወይ ከኣ ውልቀ ሰብ ተሸጊሩ መሬት እንተደኣ ኣካሪዩ፡ መንግስቲ ሞንጎኛ ኮይኑ ሃብታም ነቲ ድኻ ወይ ገንዘብ ዘይብሉ ሓርስታይ ንከይዕምጽ ውሕስነት ክህብ ኣለዎ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ በዓል ርእሰ-ማልን ኣካራይ፡ ንህዝቢን፣ ሃገርን፣ ንውልቆምን ብዘይ ግርጭት ሰሪሖም ክነብሩ ይኽእሉ፡፡

 

መሬት መንግስትን ህዝብን ዝውንኖ ኮይኑ፡ ሰብ ሃብቲ መሬት ኣብ ዝካረዩሉ እዋን ነቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ሓርስታይ ብዘይሃሲ ክኸውን ይግባእ፡፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝተኻረየ መሬት ነቲ በዓል መሬት እቲ ጉቡእ ካሕሳ (Compensation) ክወሃብ ኣለዎ፡፡ ኣብ መንጎ ሰብ ርእሰ-ማልን ሓርስታይ ዝግበር ውዕል ብኣፍልጦ መንግስቲ ክኸውን ይግባእ፡፡ ብሄር ኩናማ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ሰብ ርእሰ-ማል ናይ ብሄር ኩናማ ጥቅሚ ብዘይሃሲ ኣገባብ ገንዘቦም ኣፍስሶም ሃብቶም ከዕብዩ ዝኽሉሉ ዕድል ክህሉ ኣለዎ፡፡ በዚ መንገዲ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ሓፋሽ ሓርስታይ ብዝጠቅም ኣገባብ ነዞም ሰብ ሃብቲ ዕድል ብምሃብ ንባዕሉን ንኤርትራዊ ኩናማን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ብኹሉ ኣንፈቱ ርእሰ-ማላዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝሓለነ ናይ ሃገራዊ ልምዓት ፖሊሲ (Investment policy) ሃልዩ ንደቂ ሃገር ዝጠቅም ናይ ቁጠባ ዕብየት ክህሉ ይግባእ፡፡ በዚ ኣገባብ ኣብ በብደረጅኡ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ተጠቃማይ ዝኾነሉን ቁልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባሌን ልምዓት ዝረጋገጸሉ መድረኽ ንክህሉ ምስ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመዓራሪዩ ምስ ዝኸይድ ጥራይ እዩ፡፡ ኣብ ነጻ ዕዳጋን ውድድርን ማዕከል ዝገበረ፡ ሕጽረት ዕዳጋ ብውህሉልን ብመጽናዕቲ ዝድገፍ ኣካይዳ ናይ መንግስቲ ናይ ምርግጋእ ተራ ዘፍቐደ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክህሉ ይግባእ፡፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ነቲ ድኻን ገጠርን ማዕከል ተገይሩ ክንቀሳቐስ ይግባእ፡፡

 

ሃብቲ መሬት

 

ሕርሻ፡ ናይ መንበሪ መሬት ኮነ ሃብቲ መሬት ከምቲ ዝተገልጸ መንግስትን ህዝብን ዝውንኖ ይኸውን፡፡ እዚ ሃብቲ እዚ ንሃገራዊ ራብሓን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ንዘለው ሓርስቶት ጥቅሚ ዘውሕስ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ሰብ ሃብቲ ገንዘቦም ብምውፋር ንነብሶምን፣ ንህዝቦምን፣ ንሃገሮምን ዝጠቅም መድረኽን ዕድልን ንክህሉ ምስ መሬትን ሃብቲ መሬት ዝተተሓዘ ፖሊሲታት ተነጽሮም ክቅመጡ ኣለዎም፡፡ ዲምሓኩኤ መሬትን ናይ መሬት ሃብቲን ብዝምልከት ሰብ ርእሰ-ማል ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ወፊሮም ንብሄር ኩናማ ኤርትራ ጥቅሚ ብዘይትንክፍ ገንዘቦም ብምፍሳስ ብሄር ኩናማ ተጠቃማይ ኮይኑ ቁጠቡኡ ናይ ምዕባይ ዕድል እንተደኣ ሃልዩ ዝተቐበሎ ምኻኑ ዘነጸሮ ሓቂ እዩ፡፡ ልሙዕ መሬትን፣ ሃብቲ እምነ በረድ፣ ወርቂ፣ ነሓስ ከምኡ እውን መሬት ዘፍርዮ ሃብትን ካልእን በዚ ኣገባብ እንተደኣ ተጠቂሞም ንልምዓት ኤርትራን ቁጠባዊ ዕብየቱን ዝጠቅም መኣዲ ይኸውን፡፡ ሃብቲ ማይ እውን ካብ ሃብቲ መሬት ብዝተፈለየ መንገዲ ዝሪኤ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ሃብቲ ኹሉ፣ ሕርሻ፣ መንበሪ መሬት ከምኡ እውን ሑጻን መሬት ዘፍረዮም ኹሉ ሃብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ቀዳሞት ተጠቀምቲ ክኾኑ ይግባእ፡ ግድነት እውን ክኸውን ኣለዎ፡፡

 

ባህላዊ መዳይ

 

ባህሊ ናይ ሓደ ህዝቢ መንነት መግለጺ እዩ፡፡ ባህሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ሃብቲ እዩ፡፡ መን መን ምኻንካ ዝሕብር ባህሊ እዩ፡፡ ባህሊ ከም ባህርኡ ጽቡቕን ሕማቅን ባህሊ ኣሎ፡፡ ባህሊ ብሓደ ውልቀ ሰብ ክዓቢ ዝኽእል ሃብቲ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ብሓድነት ኮይኑ ባህልኡ ከማዕብል እንተደኣ ኮይኑ ብሰውራዊ ዲሞክራሲ መንገዲ ምስ እንክተል ጥራይ እዩ፡፡ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ባህልኡ ንከማዕብል ኩናማ ብምኻኑ ጥራይ ብሓንሳብ ሓቢሩ ምስ ዝንቀሳቐስ ይኸውን፡፡ ኤርትራ ሓራ ካብ ትወጽእ ጀምራ ክሳዕ ሕጂ መንግስቲ ሻዕቢያ ናይ ኤርትራዊያን ጽቡቕ ባህሊ ኣባላሽዩን ኣጥፍኡን ኣብ ክንድኡ ናይ ምንዝርና፣ ስርቂ፣ ሓሶት፣ ብድዔ፣ ምቅሕሓር ባህሊ ንክምዕብልን፣ ማዕብሉ ኣብ መንጎ ብሄራት ኤርትራ ብምትሕልላው ንክነብሩን በዚ ዝፍጠር ዘይምቅድዳው ከሲቡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እዩ፡፡ ሕጂ እውን በዚ ይቅጽለሉ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ባህሊ ኤርትራ ናይ ሓደ ብሄር ባህሊ ኮይኑ ኣሎ፡፡ መዓስከር ታዒልም ሳዋ እቶም ሕማቅ ባህሊታት ምንዝርና፣ ብድዔ፣ ሓሶት፣ ምግርጫው፣ ስካር ኣመላት ሙዝየም ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ፡፡ ዲምሓኩኤ እምነቱን ዕላምኡን ነቲ ጽቡቕ ባህሊታት ዓቅቡ ነቲ ሕማቕ ባህሊታት ንምውጋድ ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣብ መላእ ኤርትራን ኣብ ማእከል ብሄር ኩናማ ክምዕብሉ ዝግብኦም ባህሊታት ይምዕብሉ ዝጎሓፍ ባህሊታት ድማ ይጎሓፍ፡፡ ምስ ግዝኡ ዝኸዱ ሕጊታት ተሳኒዩ ንክኸይድ ይገብር፡፡ እዚ ጥራይ እዩ ሓቀኛ ናይ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ መሰረት፡፡

 

 

 

 

ማሕበራዊ

 

ድሕር ምርግጋጽ ናጽነት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ማሕበራዊ ኩነታት ጥዕና ዘለዎን ምዕሩይ ኣይኮነን፡፡ እዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ናተይ ኢሉ ብዝሓዞም ናይ ኣፈላላይ ስርሓት ዝተወለዱ ተግባራት እዮም፡፡ መነባብርኦም ካብ ኢድ ንኣፍን ኣዝዩ መሬት ዝዘበጠ እዩ፡፡ ብሄር ኩናማ ምስ ሾሞንተ ኣሕዋት ብሄራት ተሳኒዩ ብሓደ ኢድን ጓንቲን ኮይኑ ንክንቀሳቐስን ሓበራዊ ናብርኦም ከማዕብሉ ብሰውራዊ ዲሞክራሲ መትከል ሓጊዝና ምስ እንጎዓዝ እዩ፡፡ ምኽብባር ካብ ማዕርነታዊ መክሰብን ተረባሓይን ዝፈልፈለ እዩ ዝኸውን፡፡

 

ማሕበራዊ ናብራ ካብ ዘማዕብሉ ጸጋታት ሓደ ትምህርቲ እዩ፡፡ ዘይተማህረ ዘይየድሕን ዘይተወቕረ ዘይጥሕን ከም ዝበሃል ምስላ፡ ዘይተማህረ ናይ ፖለቲካ ሰብ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ፖለቲካዊ ንቅሓት ዘይብሉ (ዘይነቅሔ) ሰብ መሰሉን ግደትኡ ፈሊጡ ክከታተል ኣይክእልን፡፡ ዝተማህር ሓይሊ ሰብ ግን ሕማቅን ጽቡቅን ኣነጽሩ ክፈልጥ ይኽእል፡፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ካብ ጸብብነት ተነስሑ ብመንገዱ ተመያይጡ ተሰማሚዑ ክነብር ይኽእል፡፡ ሰውራዊ ዲሞክራሲ ጸብብነት፣ ትምክሕቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ኮይኑ ኣብ ሓበራዊ ናብራ ዝተመስረተ እዩ፡፡ ብሓጽሩ መንግስቲ ሻዕቢያ ዘምጸኦም ናይ ብድዔ ስሚዒታት ህዝቢ ዝጥርንፍ ኣይኮነን፡፡ ብድዔ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ንከይትነብር ዝድርኽ ሕማቅ ልምዲ እዩ፡፡ ህዝቢ ኩናማ ምስቶም ካልኦት ብሓባር ኮይኑ ነዚ ሕማቕ ልምዲ ናብ መቓብሩ ንክእትዎ ኣበርትዑ ክቃለስ ይግባእ፡፡ እቶም ዝተረፉ ብሄራት እውን ኣብዚ ጉዳይ ቃል ኣቲዮም ክቃለሱ ይግባእ፡፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝዘረኦ ሕማቕ ስሚዒት ከም ጽልኢ፣ ምግርጫው፣ ሕነ ምፍዳይ ብሰውራዊ ዲሞክራሲ መትከል ተደምስሶም ሓበራዊ ዕላማን ተኸባብርካ ንምንባር ተቃሊሱ ናይ ሻዕቢያ ዕላማታት ከፍሽሉ ኣለዎም፡፡

 

ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ናይ ጾታ ኣፈላላይ ክውገድን፣ ብስርዓት ሻዕቢያ ዝተኣታተወ ዕብለላ ተባዕታይ ንምጥፋእ ቃልሲ ከም ዘድሊ ተነጺሩ፡፡ ንሓበራዊ ናብራ ካብ ዝጎድኡ ሓደ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይምህላው ስለዝኾነ ንክማሃር ክጽዕር ኣለዎ፡፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ንብሄር ኩናማ ናይ ትምህርቲ ዕድል ቆሊፉ ንከይምሃርን ከይመራመር ገሩ ከም ድልየቱ ንክረግጾም መሪጹ፡፡ ኮይኑ ግን ንብሄር ኩናማ ዝጠቅም ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ምስ ናይ ሞያ ትምህርቲ (Technical School) ዝተተሓዘ ስለዝኾነ ብሄር ኩናማ ኣብ ከባቢኡ ምስ ሞያዊ ትምህርቲ (Technical School) ዝተተሓሓዘ ኣብያተ ትምህርቲ ዝህልወሉ ዕድል ንክረክብ ክቃለስ ኣለዎ፡፡ እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ስርዓት ሻዕቢያ ናይ ሳይንስ ቤት ትምህርትታት ከፊቱ ንኩናማ ብትምህርቲ ንድሕሪት ንክምለስ ገሩ፡፡ ሳይንስ ተደላይነት የብሉን ማለት ዘይኮነስ ምስ ግዝኡ ተሳኒዩ ክኸይድ ይግባእ፡፡ ሎሚ ኾነ ትማሊ መንግስቲ ሻዕቢያ ዘውጽኦም ናይ ትምህርቲ ፖሊሲታት ኣብ ከባቢ ኩናማ ነቲ ኩናማ ዘርሓቀን መሰል ብሄር ኩናማ ነቶም ካልኦት ብሄራት ዘማዕበለን ንክጥቀሙሉ ዘኽኣለ መድረኽ እዩ ኾይኑ፡፡ ኣብ ከባቢ ኩናማ ዝቅመጡ ብሄራት ኣይመሃሩ ዘይኮነ ብሄር ኩናማ ኣብ ከባቢኡ ቀዳማይ ዕድል ረኽቡ ክከይድ ኣለዎ፡፡ ስለዚ ፍሉይ ዕድል (Affirmative action) ክወሃቦ ይግባእ፡፡ በዚ ኣቢሉ ናይ ቁጠባ ዓቅሙ ኣካዕብቱ ምሁርን፣ ሙሉ ጥዕና ሃልዩዎ ኣብ ስርሓት ሕርሽኡ ፍሪያማ ክኸውን ኣብ ክንዲ ምግባር እቲ ዝተረኽበ ጽቡቅ ዕድል ኹሉ ዓፊኑን ኣጥፊኡን ንኩናማ ተጸባይን፣ ኣብ ትሕቲ ሰብን፣ ብቋንቁኡን ባህሉን ንከይኮርዕ መንነቱ ክሕዱ ልሳን ስርዓት ሻዕቢያ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ ኣብጽሑ፡፡ ኣብ ከባቢ ኩናማ ዝህነጽ ሆስፒታላት ቁጠባዊ ዓቅሚ ብሄር ኩናማ ዘይኣገናዘበ ምኻኑን ኣብ ረብሓ ብሄር ኩናማ ውዕሉ ንክትብል ኣብ ዘይንደፍረሉን ዘረጋገጽናሉ እዋን በጽሕና ኣለና፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ይትረፍ ጥዕና ብሄር ኩናማ ንክከታተል ካብ ሕማም ዓሶ ዝድሕነሉ ዕድል እውን ከልኽሉ ጸኒሑ እዩ፡፡ ስለዚ ቴክኖሎጂ ዝድግፎ ትምህርቲን፣ ምስ ጊዝኡ ዝኸይድ ናይ ጥዕና ኣፈዋውሳ ንክድንፍዕ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ዋና መሰረቱ ስለዝኾነ በዚ መንገዲ ክንጎዓዝ ይግበኣና፡፡ እቲ ብሉጽ ዝኾነ ባህላዊ ኣፋውሳ እውን ቦትኡን ክብሩን ተወሂቡ ክስድር ናይ ምግባር ዕድል ክህሉ ኣለዎ፡፡

 

ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲ

 

ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣብ ትምክሕትን፣ ምልክነትን፣ ግርጭትን ዝተመሰረተ ስለዝኾነ ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጁቡቲ ኣብ መጨረሻ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ወራር ኣካይዱ ብዙሓት መንእሰያት ግዳይ ሞት ከም ዝገበሮም ዝረኣናዮ ሓቂ ኢዩ፡፡ ናይ ኩናት ወልፊ ተታሒዙ ካብ ኩናት ወጻኢ ክነብር ዘይክእል መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝተፈላለዩ መንግስታት ብሕቡእን ቅሉዕ ወራርን ኢድ ኣእታውነት ብምክያድ ህዝቢ ብሰላምን ተረጋግኡ ከይነብር ምግባር ዝነበሮ ቀንዲ ጠባዩ ምኻኑ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ፡፡ ጸረ ሰላም ፖሊሲ ዘሎዎ መንግስቲ ኮነ ውድብ ከም ሻዕቢያ ኩሉ ጊዜ ኣብ ውግእ ከም ዝኸውን ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ፡፡ ዲምሓኩኤ ከምዚ ሻዕቢያ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብምቅዋም ኣብ ናይ ሓደ ውድብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ብዘይምእታው ኣብ ማዕሪነት ሕድሕድ ምክብባርን ዝተመሰረተ ኣካይዳ እዩ ወስኑን መሪጹን፡፡

 

ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ማዕሪነትን ሕድሕድ ምክብባር ዝተመሰረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ይህልዎ፡፡ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝኽተል ሓርነታዊ ቃልሲ ኮነ ውድባት ኣብ ቃልሶም ብዘለዎ ዓቕሚ ንክሕግዝ ተሪኡ ካብ ምጽዋት ሓሊፉ ከም ሻዕቢያ ኣብ ውግእ ንክነብር ኣይመሪጽን፡፡

 

መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ብዘውሪዶ ጊፍዒ ዲምሓኩኤ ብዕለት 13/09/2002 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣካይዱ ኣብዝኤን ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ውድብ ኢዩ፡፡ ዲምሓኩኤ ቀንዲ ዕላምኡ ንምርግጋጽ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻልን ብሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ኣብ ድልየት፣ ኣብ ማዕርነትን ሕድ ሕድ ምክብባር ዝተረጋገጸ ናይ ብሄራት ሓድነት ዝተመሰረተ ንክኸውን ኢዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓለማዊን፣ ኣህጉራዊን፣ ከባቢያዊ ጉዳያት ብዕምቆት ብምርኣይ ንብሄር ኩናማ ኤርትራን ህዝብታት ኤርትራ ዝረብሕ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣብ ስራሕ ንምውዓልን ንምርግጋጽ እዩ፡፡

 

1.    ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ

 

1.       ብሄር ኩናማ ብሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣብ መሬቱ ዘለዎ መሰልን፣ ክብረትን፣ ሃገራዊ ሓድነት ንምሕብሓብን ንምዕቃብ ‹‹መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራትን ብሄረሰባት ክሳዕ ምግንጻል›› ዝብል ዕላማ ሙሉእ ብምሉእ ንክረጋገጽ ምቕላስ፣

1.1.          መትከላት ዲምሓኩኤ፡ ብሄር ኩናማ ናይ ባዕሉ መሰል ባዕሉ ኣድላይን፣ ጠቃሚን ብዝበሎን ብዝተራእዮ መንገዲ ክሳዕ ምግንጻል ናይ ምውሳን መሰል ሙሉእ ብምሉእ ንክረጋገጽ ምቕላስ፣

1.2.          ኣብ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሰረት ገሩ ብኹሉ ሸነኽ ዝርከቡ ጥቕሚታት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ንክበጽሕ ኣብ ማዕርነትን ድልየትን ዝተመሰረተ ህዝባዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ነዚ መንገዲ ከም ድኹዒ ተጠቂሙ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ንክዕንብብ ምቕላስ፡፡ ከምኡ እውን ብሄር ኩናማ ኤርትራ ብድልየቱ ዲሞክራስያዊ ሓድነት ንክመርጽ ምትብባዕ፡፡

1.3.          ብሰውራዊ ዲሞክራስያዊ መንገዲ ብሄር ኩናማ ባህሉ፣ ቋንቁኡን፣ ቅኑዕ ታሪኹን ዓቒቡ ንከማዕብል ብቋንቁኡ ተጠቂሙ ብባህሉ ንክኮሪዕ ብዘይወላውል መገዲ ይቃለስ፡፡ ንብሄር ኩናማ ዝመጽኡዎ ዘለው ዘይቁኑዕ ናይ ዘርኢ ኣድልዎ ይነጽግ ንምውጋዱ ድማ ብትረት ይቓለስ፡፡

1.4.          ኣብ ብሰውራዊ ዲሞክራሲ መሰረት ዝረጋገጽ ሓድነት ብሄራት ኤርትራ፣ ብሄር ኩናማ ምስ ኣሕዋት ሾሞንተ ብሄራት ብምክብባርን ብማዕረ ናይ ምንባር መሰል ብዘይ ምሽሪራፍ ንክረጋገጽ ይቓለስ፡፡

 

2.       ኣብ ኤርትራ ህዝባዊን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት ምቅላስ፡-

 

2.1.          ስርዓት ህግደፍን ሃገራዊ ክብርን መሰል ደቂ ሰባትን ዝዳፍኡ ሓይሊታት ብምድምሳስ ናይ ብሄር ኩናማ ብሄራዊ ጥቅሚታት ዘማልእ፣ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳትፎ ዝዕድም ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ብሃገር ደረጃ ምምስራትን ንክድልድል ምቕላስ፡

2.2.          እቲ ዝምስረት መንግስቲ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ሃልዩዎ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ ተቐቢሉ እቲ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ደረጃ ንምሓዝ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተወዳደርቲ ተመሪጾም ዝመጹ ባይቶ ንክህልውን፡ ህዝቢ ድማ ወሳናይ ኮይኑ ግድኡ ንክጻወት ጥጡሕ ባይታ ይጸርግ፡፡ ብተወሳኺ ስልጣን ብውልቀ ሰባት ንከይበሓትን ንከይተሓዝ ይጥንቀቅ ይከላኸል፡፡

2.3.          ስልጣን ኣብ ማዕከል ጥራይ ከይእከብ ምግባርን በብደረጅኡ ክከፋፈል ምግባር፡፡ ሓፋሽ ብቀረባን ብቐጥታን ዝሳተፉሉ ናይ ታሕተዎት ናይ ስልጣን ደረጃታት ዘማልእ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ንክህሉ ምግባር፡፡

2.4.          ኣብ ኤርትራ ቋንቋ ማእከል ዝገበረ ፌደራል መንግስቲ ንክምስረት ምቅላስ፡፡ ኣብ ኤርትራ ቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ መንግስታዊ ቋንቋ ምኻኖም ኣሚኑ ንክቅበሎ ምቅላስ፡

2.5.          ብሄር ኩናማ ኤርትራ ከባቢኡ ባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰል ንክረጋገጸሉ ምቅላስ፡፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኩናማ ኤርትራ፣ ቋንቋ ኩናማ ናይ ትምህርትን ናይ መንግስታዊ ስራሕ ቋንቋ ንከኸውን ምቅላስ፡፡

2.6.          ዘይምእኩልን ዕልመናዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንክምስረት ምቅላስ፡፡

 

3.       ናይ ሓፋሽ ዲሞክራስያዊ መሰላት ንምርግጋጽ ምቅላስ፡-

 

3.1.          እቲ ግፊዒ ዝወርዶ ዘሎ ኩናማን ሓፋሽ ብሄራት ኤርትራ ሓሳቦም ብድልየቶም ናይ ምግላጽ (ብጽሑፍ ኮነ ብቃል)፣ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድ መሰል፣ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል፣ ኣድማ ናይ ምግባር፣ ናይ ምውዳብ መሰላት ሙሉእ ብምሉእ ንክረጋገጽ ምቅላስ፣

3.2.          ኣብ ናይ ጾታ ኣፈላላይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ናይ መሰል ኣፈላላይ ብምቅዋም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ፖለቲካዊን፣ ቁጠባዊን፣ ማሕበራዊን ኣብ ወተሃደራዊ መዳያት ማዕረ መሰል ንክህልዎ ምቅላስ፣

3.3.          ኣብ ሃይማኖት ዝተደረኸ ዝኾነ ኣፈላላይ ንምውጋድ ምቅላስ፡፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዝደልዮ እምነት ናይ ምምራጽ መሰሉ ዝተሓለወ ንክኸውን ምቅላስ፡፡ ጸቢብነት፣ ከባቢያዊ ስሚዒት፣ ብድዔ፣ ባጋሚንዶ፣ ፋሉልነት ካብ ገጽ ኤርትራ ንምምሓው ኣበርትዑ ይቃለስ፡፡

 

4.       ንረብሓታት ህዝቢታት ኤርትራን ብሄር ኩናማን ደው ዝበለ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ብቁዕ ሰውራዊ ሰራዊት ንምህናጽ ምቅላስ፡፡

 

4.1.          ንብሄር ኩናማን ህዝቢ ኤርትራ ዝገፍዕን፣ ዘሳቅይን ዘሎ፣ ንኣሕዋቱ ደቂ ኣንስቲዮ ከም ዘይ ደቂ ሃገር ዝጋሰሰን ዘሎ ወተሃደር ስርዓት ህግደፍን ምሕደርኡን ካብ ሱር መሰረቱ ምሕዩ ንምድርባይ ይቃለስ፡፡ ኣብ ክንዲኡ መሰልን ክብሪ ብሄር ኩናማ ዝሕሉን ብሓፈሽኡ ንመሰል ህዝቢታት ኤርትራ ደው ዝብል መስኪን ወተሃደር ሻዕቢያ ነበር ናይ ማእከላዊ መንግስቲ ወተሃደር ኮይኑ ንክሰርሕ ይቃለስ፡

4.2.          ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ድልየት ብሄር ኩናማን፣ ህዝቢታት ኤርትራ ዘማልእ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ኩናማን ህዝቢታት ኤርትራ ዘይንጸል፡ ኣብ ውሽጢ ሙሉእ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ፡ ምስ ዜጋታት ኤርትራ ማዕረን ንጡፍን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተሳትፎን ዘለዎ ብሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ዝደልደለ ህዝባዊ ሰራዊት ንምህናጽ ምቅላስ፡

4.3.          ሓያልን ድልዱልን ዓላማ ዘሎዎ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኩናማ መሰላትን ረብሓታትን ብዝበለጸ ንምርግጋጽ ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ኣረኣእያታት ዝሓዘ ሰፊሕ ህዝባዊ ሚሊሻ ንምህናጽ ምቅላስ፡፡

 

5.       ቁጠባዊ መደብ ዕዮ

 

  1. ብትሕዝቶኡን ብቅርጹን ኣብ ነጻ ዕዳጋን ውድድርን ማዕከል ዝገበረ ዓበይቲ ሰብ ሃብቲ ብቁጠባዊ መንገዲ ምስ ጥቅምን ረብሓን ህዝቢ ኩናማን ህዝቢታትን ኤርትራ ዝኸይድ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ምክታል፡፡

 

5.1.          ሓፋሽ ህዝቢ በብደረጅኡ ተጠቃማይ ዝኾነሉን ኣብ ገጠር ንዝነበር ሓርስታይ ማእከል ገሩ ዝንቀሳቐስ ቁጠባዊ ዝኾነሉ ምዕባለ ንክህሉውን ህዝቢ ኩናማን ህዝቢታት ኤርትራን በብደረጅኦም ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንክረጋገጽ ምቅላስ፡፡

5.2.          ምስ ናጻ ዕዳጋ ዝተተሓዘ ናይ ሕርሻ ልምዓትን ንመነባብሮ ውሕስነት ዘለዎን፣ ዝጠቅም ምህርቲ ብረሃጽካ (ካብ ተመጽዋትነት) ናጻ ዝኾነ ናይ ቁጠባ ስተራተጂ ተረጋግጹ በዚ ኣቢሉ ድማ ውሕስነቱ ንከረጋግጽ ይቃለስ፣

5.3.          ሃብቲ መሬትን ማይን ብመጀመሪያ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩን፣ ነቶም ዝምልከቶም ብሄራት ቐዳምነት ተራባሕቲ ዝኾነሉን፣ ብሰፊሑ ንህዝቢታት ኤርትራ ብፍትሓውነት ዘገልግል ፖሊሲ ክሕንጸጽ ምጽዓር፣

5.4.          ሰብ ሃብቲ ናይ ብሄር ኩናማ ጥቅምን ክብርን ብዘይትንክፍ መንገዲ ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ገንዘቦም ብምውፋር ንነብሶምን፣ ንቁጠባ ብሄር ኩናማ ኣብ ግምት የእትዮም ንመላእ ሃገር ኤርትራ ንከማዕብሉ ግድኦም ንክጻወቱ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ሓንጺጹ ኣብ ስራሕ ምስ ኣውዓሎ፡ ብሄር ኩናማ ኤርትራን ህዝቢታት ኤርትራን ንክጥቀመሉ ይቃለስ፡፡

5.5.          ጉልበት ሰብ ወይ ናይ ሓርስታይ ዓቅሚ ምስ ናይ ሕርሻ መሬት ዘማዕከለ ናይ ገጠር ልምዓት ዘማዕበለን ብዝሓጸረ እዋን ናይ ቁጠባ ዕብየት ንክረጋገጹ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ሕርሻ መሬትን ገጠርን ማእከል ዝገበረ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ብምሕንጻጽ ኣብ ገጠር ዝነብር ብሄር ኩናማ ናብሪኡ ንከምሓይሽ ምቅላስ፡፡

5.6.          ሰብ ርእሰ-ማል ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲ ብዝተመርኮሰ ውሽጣዊ ዕዳጋ ዘማዕብለሉን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦትን ናይ ወጻእ ዕዳጋ ዝዓብየሉ ምንቅስቓሳት ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ንክህሉን ተጠቃማይ ንክኸውን ምቅላስ፡፡

 

6.     ባህላዊ መደብ ዕዮ

 

6. ብሄር ኩናማ ብእኩብ ባህሉ ተኸቢሩ ከቢሩ ብሄሩን ሓድነት መሬቱ ንምጥንኻር ዝጠቅም ጽቡቅ ባህሊ ፈቲሹ ንመጽናዕቲ ዘዳልወሉ መንገዲ ንክፍጠር ይቃለስ፡፡

 

6.1.          ንሓድነት ብሄር ኩናማ ማእከል ዝገበሩ ንነዊሕ ጊዜ ተረስዖም ዝነበሩ ባህሊታት ኣብ ግብሪ ንክውዕሉን ድሑር ዝኾነ ባህሊ ንክውገድ ምቅላስ፡

6.2.          ብባህልን ብልምድን ብሄር ኩናማ መሰረት ዓቢ ናእዳን ኣክብሮትን ክወሃቦም ዝግብኦም ማሕበራዊ ትካላት ንምዕቃብ ከምኡ እውን ምስ ባህሊ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ተሳኒዩ ቀጻልነት ንክህልዎ ምቅላስ፡፡

6.3.          ንባህሊታትን ልምድታት ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ብዝግባእ መንገዲ ንምኽባርን ንምዕቃብን ምቅላስ፡፡

6.4.          ባህላዊ እምነት (ሃይማኖት) ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ንክምዕብል ምቅላስ፡፡

 

7.     ማሕበረዊ መደብ ዕዮ

 

7. ብማሕበራዊ ኩነታቱን መነባብሮን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክብ ንምባል ምጽዓር

 

7.1.          መነባብሮ ብሄር ኩናማ ስሉጥ ንምግባር ምስተን ሾሞንተ ብሄራት ኤርትራ ምትእምማን ክህሉ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ምቅላስ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ስ&