Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዜና ዕለት 15/05/2009 ህዝባዊ ሰሚናር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ሰመራ
ዜና ዕለት 15/05/2009 ህዝባዊ ሰሚናር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ሰመራ

ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ካብ ዕለት 21/04/2009 ክሳብ 23/04/2009 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ውሳኔ ዝረኸበ ህዝባዊ ኮንፈረንሰን ንምፍጻሙ ዓቢ ትጽቢት ዝተግበረሉ ኮንፈረንስ ብዕለት 15/05/2009 ዑዱማት ኣጋይሽን፣ ብዙሓት ተኸፈልቲ ኣብ ዝተረኽቡዎ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ከም ዝተጀመረ ወኪልና ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ፡፡ ኣብዚ ህዝባዊ ኮንፈረንስ መሓዛ ውድብ ዲምሓኩኤ ናይቲ ኮንፈረንስ ዑዱም ኮይኑ ኣብኡ ተረኺቡ፡፡

ኣብዚ ኮንፈረንስ ተሳታፊ ዝኾኑ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኢስማዒል ዓሊ ስይሮ እንቋዕ ናብዚ ሰሚናር እዚ ኣብጻሕኩም ዝብል ሰናይ ትምኒቱ ዝገልጽ መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ተኸታቲሎም ናይ ዓፋር ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ዝኾኑ ኤልያስ ሓሰን፣ ናይ ዓፋር ቀዳማይ ዞን ሓላፊ መሓመድ ኣቡባከር፣ ናይ ኢትዮጵያ ዓፋር ጸጥታ ሓላፊ ሑሰን ኑርን እንቋዕ ናብዚ ሰሚናር እዚ ኣብጸሓኩም ዝብል ናይ ድጋፍ መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡ ቀጺሉ ናይ መትከል መሓዛን ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ተጋዳላይ ቀርነልዮስ ዑስማን ናይ እንቋዕ ኣብዚ ሰሚናር ኣብጸሓና ዝብል ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

 

ኣቦ ወንበር ውድብ ዲምሓኩኤ ኣብ መልእኽቱ፡ እዚ ሕጂ በጽሑዎ ዘሎ ናይ ቃልሲ ደረጃ፣ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል መሰረታዊ ዕላማ ክሳብ ዝረጋገጽ ብሄር ኩናማን ብሄር ዓፋርን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ከም ዝቃለሱን፡ ከምኡ እውን ምስ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ብቃልሶም ንዓወት ከም ዝበጽሑ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ፡፡ ኣቦ መንበር ውድብ ዲምሓኩኤ ቀጺሉ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዕድመ ገይሩሉ፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ተኻፊሉ ብጻያዊ ናይ ቃልሲ መልእኽቱ ንከሕልፍ ዕድል ስለ ዝተዋህቦ ምስጋንኡ ኣቅሪቡ፡፡ ብሄር ኩናማን ብሄር ዓፋር ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ዓቢ እጃም ከም ዘበርከቱ ብምግላጽ፡ ኮይኑ ግን እቲ ጭቆና ብዝኸፍኤ መልክዑ ኣብ ልዕሊኦም ይፍጸም ከም ዘሎን፡ ንሓርነታዊ መሰላት ብብሄሮም ተወዲቦም ይቃለሱ ምህላዎምን፡ እዞም ክልተ ብሄራት መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል መትከል ብዘይ ምሽርራፍ ንኩለን ብሄራት ኤርትራ ጽቡቅ መድረኽ ንክፈጥረሎምን ሰላምን ምዕባሌን ንምርግጋጽ ኣብዚ መትከል እዚ ደው ንክብሉ ዓቢ ተስፋ ነብረሎም ድሕሪ ምባል፡፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ብደረጃ ውድብ ኮነ ብናይ ክልቲኡ ሲቪክ ሶሳይቲን ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝርከቡ ናይ ክልቲኡ ብሄራት ክሳብ ብዓወት ናብ ኤርትራ ዝኣትው ብሓባር ተሓጋጊዞም ከም ዝሰርሑ ገሊጹ፡፡ ካብ ሕጂ ንዳሓር እንተኾነ እውን ብቅልጽምናን ብቃልሲና ነቲ ዘይከኣል እውን ከም ዝከኣል ክንገብሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣለና ክብል መልእኽቱ ከም ዘሕለፈ ወኪልና ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡

 

ኣብ መጨረሻ ናይ ክልቲኡ ብሄራት ምትሕግጋዝ ተጠናኺሩ ይቀጽል፣ ምስ ብሄራት ኤርትራ ዘሎ ምትሕግጋዝ እውን ተጠናኺሩ ይቀጽል፣ እቲ ዝተጀመረ ቃልሲ እውን ክሳብ ብዓወት ዝድምደም ኣበርቲዕና ክንቃለስ ይግበኣና እሉ መልእኽቱ ደምዲሙ፡፡ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ኢብራሂም ሃሩን ዘለዎ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብሄር ዓፋርን ብሄር ኩናማን ዝተተሓሓዙዎ ቃልሲን ምስ ውድብ ዲምሓኩኤን ብሄር ኩናማን ክሳብ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ ብሓባር ከም ዝሰርሑ ገሊጹ ክብል ወኪልና ካብ ሰመራ ጸብጺቡ፡፡ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተኻፈለ ህዝቢ ዓፋር ብወገኖም ዘለዎም ሰናይ መልእኽቱ የሕሊፉ፡፡ ከምኡ እውን ካናዳ ዓፋር ዝተባህለ ማሕበር እውን፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ንዝርከቡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓገዛቱ ከም ዘበረክትን ከምኡ እውን ንገበርቲ ሰናይ ትካላትን ማሕበራትን ክተሓጋገዛ ከም ዝጽውዕ ቃል ኣቲዩ፡፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ጉጅለ ባህሊ ውድብ ዓፋር ተረኺቡ ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማታትን ግጥሚታትን ኣቅሪቡ፡፡ እቲ መኤከቢ ኣዳራሽ ብባማንዴራን ኣርማ ውድብ ዓፋርን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ከም ዘማዕረጉዎ ወኪልና ካብ ሰመራ ወሲኹ ጸብጺቡ፡፡

 

ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት

 

  1. ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ብሄራት ዓፋርን ኩናማን ይደልድል!
  2. የቀይ ባህር ኣፋር ህዝቢ የራሱ ዕድል በራሱ የመወሰን መብት እስከ መገንጠል በትጥቅ ትግል እናረጋግጣልን!
  3. ምሕዝነት ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይደልድል ዝብሉን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡