Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዝርዝር ዜና ዓወት: ኣብ ኣስ-ገሪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ዲምሓኩኤ/ዲግብኤ
ዝርዝር ዜና ዓወት: ኣብ ኣስ-ገሪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ዲምሓኩኤ/ዲግብኤ
Sunday, 11 July 2010 09:08
ጀጋኑ ተጋድልቲ ዲምሓኩኤ/ዲግብኤ ብዕለት 03/07/2010 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 5፡30 ኣብ ልዕሊ ጸላኢ መጥቃዕቲ ፈኒዩ፡፡

እቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ጸሓይ ቀትሪ ብምንባሩ፡ ጸላኢ ክሃድምን ናብ ቁሸታት ክኣቱ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣባላት ብሄር ትግርኛ ብዓይኖም ክርእዩ ከም ዝኸኣሎን በቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ተሓጊሶም  ንተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ዓቢ ሞራልን ድጋፍን ከም ዝሃቡ እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ንጸላኢ ኣባሪሮም ነቲ ነቁጡሉ ዝነበረ ቦታ ሙሉእ ብመሉእ ከም ዝተቆጻጸሮ እውን ተፈሊጡ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ  ኣሳ ገሪ ነቁጡ ዝነበረ ናይ ክ/ሰራዊት 21፣ ካልኣይ ብርጌድ፣ ካልኣይ ባጦሎኒ፣ ካልኣይ ሓይሊ፣ ቀዳማይ ጋንታ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ብኣርፒጂን ኢድ ቡንባን ካላሽንን ዝተሰነዮ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ  ንዋታውን ህይወታውን ክሳራ ከም ዘስዓበ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

 

ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወረደ ክሳራ፡-

1.      11 ኣባላት ህግደፍ ክቅተሉ እንከሎው 8 ካብኣቶም ቆሲሎም፣

2.      ክልተ ናይ ሞቶረ ማይ ተቃጺለን፣

3.      ሓደ ናይ ጠያይቲ መካዚኖ ተቃጺሉ ከቢድ ናይ ጠያይቲን ቡንባታትን ምንታዕ ነይሩ፣

4.      ሓደ ናይ ራሽን መካዚኖ ሙሉእ ንመሉእ ዓኒዩ፣

5.      ሓደ ናይ ሞቶራትን መቀያየሪ ኣቁሑት ዝሓዘ ዓቢ መካዚኖ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ፣

6.      መደቀሲ ገዛውቶምን ብአጠቃላሊ 13 ገዛውቲ መሉእ ንመሉእ ተቃጺሎም፡፡

 

ካብ ጻላኢ ዝተማረኸ ንብረት

1.      11 ካላሽን ኮቨ

2.      11 መሉእ ዕጥቂ

3.      15 ካዝና

4.      6490 ጠያይቲ ካላሽን

5.      15 ናይ ኢድ ቡንባ

6.      8 ቡራሾ ናይ ማይ

7.      10 ቅያር ወትሃደራዊ ክዳውንቲ

8.      8 ናይ ሲቪል ክዳውንቲ

9.      ሓንቲ ሻንጣ ናይ ሕክምና ኣፋውስ

10.  7 ናይ ኢድ ላምፓዲና

11.  5 ወትሃደራዊ ሻንጣታት

12.  4 ፋስ

13.  5 ኣንሶላ

14.  4 መቀዝ

15.  3 ላምስያ

16.  ዶኮመንታትን ናይ ሓደ ሰብ ታሴራ

17.  10 ኪሎ ሽኮር

18.  8 ኪሎ ዓደስ

19.  ብዝሒ ዘለዎ ሳሙናን ከም ዝሰልቡ እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡

 

ብድሕሪ እዚ ዕውት መጥቃዕቲ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ/ዲግብኤ ብሰላም ናብ ቦትኦም ከም ዝኣተው እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ኣባል ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ) ኮይኑ፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር፣ ብሄራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራን ዝሓቆፈ ግንባር ከም ዝኾነን፡ ብዕለት 28/06/2010 ዋዕላ ብሄራት ኤርትራ ኣካይዶም ብዓወት ከም ዝዛዘሙ ዝዝከር እዩ፡፡