Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ስርዓት ህግደፍ ካብ ቦታታት ናይ ዕደና ወርቂ ንህዝቢ የሳጉግን የበሳብስን ኣሎ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ካብ ቦታታት ናይ ዕደና ወርቂ ንህዝቢ የሳጉግን የበሳብስን ኣሎ፡፡
Tuesday, 13 July 2010 13:56
ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ ንብረት ህዝብን ሃገርን ብምግባትን ብምምንዛዕን ንህዝቢ ካብቲ ሰሪሑ ናብራኡ ዝመርሓሉ ቦታታት የፈናቅሎን የባርሮን ከም ዘሎ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
 

በዚ መሰረት ብዕለት 27/06/2010 ሰራዊት ህግደፍ ነቲ ኣብ ሸምበቆ ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ብምዃድ ኣብ ውሽጢ 15 ደቂቅ እቲ ህዝቢ ኣቑሑቱ ጠርኒፉ ካብቲ ቦታ ክኸይድ ከም ዝኣዘዙን፡ እቲ ህዝቢ ጠቕሊሉ ከይወጸ ከሎ ተመሊሶም ናብቲ ቦታ ብምውራድ ሰብኣይ፣ ሰበይቲ ከይፈለዩ ብበትሪ ከምተሰሃሉዎምን ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ መሳርሒ ከም ጀሪካናት ማይ ብምቅዳድ፣ ናይ ዝናብ መከላኸሊ ፕላስቲክን መግቦምን ተነጺፎም ዝድቅሱሉ ኣንሶላታትን ኮቦርታን ካልእን የሕዲጎም ኣኪቦም ሓዊ ከም ዘቃጸሉዎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

  

ብተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 26/06/2010 ሰራዊት ሻዕቢያ ኣብ ዳባልና ዝበሃል ዕደና ወርቂ ዝካየደሉ ቦታ ብምዃድ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 20 ደቂቅ ንብረቶም ጠርኒፎም ተዘይከይዶም ከምቲ ኣብ ኮሶልዳ ዝገበርናኩም ክንገብረኩም ኢና ክብሉ ከም ዘጉባዕብዑሉን፡ ድሕር’ዚ እቲ ህዝቢ ከይወጸ እንከሎ፡ ኣርኪቦም ነቲ ዝጥቀመሉ ንብረት ኩሉ የሕዲጎም ብምዕናው ብሓይሊ ከም ዝሰጎጉዎ ተፈሊጡ፡፡

  

ብሰንክ እዚ ግፍዓዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ጥሜት ወዲቑ ብዓጸቦ ይሳቐ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ ህዝቢ ናብ ዝደለዮ ቦታ ኸይዱ ሰሪሑ ክበልዕ ስለዘይከኣለ፡ እቲ ኩነታት ብኹሉ ሸነኻት ጸቢቡዎ ከም ዘሎ ተገሊጹ፡፡ ኣብዚ ናይ ዓጸቦ እዋናት ህዝቢ ተዓጻጺፉ ሰሪሑ ነብሱን ስድራቤቱን ካብ ሞት ከድሕን ዝኽለሉ ዕድል ስለዝሰኣነ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡፡

  

ከምኡ እውን ኣብ ዕደና ወርቂ ዝካየደሉ ቁሸት ኮና ብተመሳሳሊ ብዕለት 17/06/2010 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ንህዝቢ ከምዝሰጎጎን ብረት እንዳቶኮሰ ከም ዝበተኑዎምን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

  

ደቂ ቶለ-ፋፋ ዝኾኑ 6 መንእሰያት-ኣወዳት ብዕለት 22/05/2010 ወርቂ ክዕድኑ ናብ ኮሶልዳ ብምዃድ ተሓቢኦም ክሰርሑ እንከሎው ወተሃደራት ሻዕቢያ ረኺቦሞም ክሕዙዎም ከም ዝፈተኑን፡ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ሃዲሞም ዘምለጡዎም ክኾኑ እንከለው፡ እቶም ሰለስተ ከም ዝሓዙዎምን ብርቱዑ መግረፍቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ብጀካ ሰሪሖም ድራር ዕለት ንምምእራር ሓሊፎም ምንም ገበን ዘይብሎም ንጹሃት ዜጋታት ከም ዝተፈጸመ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ኣስማት እቶም ዝተታሕዙ መንእሰያት፤-

  
  1. ዓሊ ወይ ባቲ ዝተባህለ ሽም ኣብኡ ዘይተፈልጠ
  2. ባሃሪ ሽም ኣብኡ ዘይተፈልጠ
  3. ሓምድ ካታ ክኾኑ እንከሎው፡ ካብቶም ዘምለጡ፡-
   
  1. ሚኪኤለ ዓብደላ
  2. ሙሳ ሽም ኣብኡ ዘይተፈልጠ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ፡፡
 ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ ዓጸቦ ብዕለት 19/06/2010 ሰለስተ ኣጉባዝ ደቂ ቶለ-ፋፋ ንኮሶልዳ ብምዃድ ተሓቢኦም ወርቂ ክፍሕሩ እንከሎው ወተሃደራት ከም ዝሓዙዎምን ሻምበቆ ወሲድና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከነእትወኩምዶ ወላስ ሓደ ሽሕ ናቕፋ መቅጻዕቲ ትኸፍሉ ኢኹም ብምባል ኣማራጺ ከምዝሃቡዎምን ከይፈተው ካብ ዘይብሎም ሓደ ሽሕ ናቕፋ ኣምጺኦም ከም ዝኸፈሉ ተፈሊጡ፡፡ እቶም መንእሰያት ስሞም፡- 
  1. ዓሊ ሻኩ
  2. ናጋቡር ሽም ኣቡኡ ንግዝኡ ዘይተፈልጠ
  3. ታኒ ኢሾባ ምዃኖም ተፈሊጡ፡፡
 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወሰዶ ዘሎ ኣዕናዊ ስጉምቲ ከይኣኽሎ ኣኼባታት ብምግባር ይህድዶም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ብዕለት 21/06/2010 ኣብ ዳሴ ነበርቲ ኣኪ ብዕሱብ ፍርንኮ ኮባባ ኣቢሉ ኣኼባ ከም ዘካየደሎም ተፈሊጡ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተላዕሉ ኣጀንዳታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ዕደና ቦታታት ዝፍጠር ዘሎ ጸገማት ኮይኑ ወርቂ ከይትዕድኒ ዝብል ክልከላ እቲ ህዝቢ ይጥሕሶ ከም ዘሎን መንግስቲ ነዓኹም ዕላማ ገይሩኩም ስለዘሎ ወርቂ ክትዕድኑ እንተተረኺብኩም ኣብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዝኾነ ሓደጋ በዓልኹም ተሓተትቲ ኢኹም ክብል ከም ዘጠንቀቁዎምን ከምዘፈራርሑዎምን ተፈሊጡ፡፡

  

ዑሱብ ፍራንኮ ኮባባ ብዛዕባ እቲ ክልከላ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ዕደና ወርቂ ሰሪሑ ከይበልዕ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ኩሉ ተማሃራይ፣ ሰራሕተኛ መንግስትን፣ ወተሃደራትን ነዓኹም ርእዮም ኣብ ዕደና ስራሕ ስለተዋፈሩ ስራሕ መንግስቲ ዝሰርሕ የለ፡ ትምህርቲ ዘምህር የለ፡ ዝመሃር ተማራይ የለ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ጠንጢኑ ስለዝኸደ እቲ መንግስቲ ተሸጊሩ ከም ዘሎን፡ ብሰንክ’ዚ ከም ዝኸልከለን ኣብሪሁ፡፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብዘይኣፈላላይ ዝተወሰነ ክልከላ ዘይቅኑዕ ምዃኑን ህዝቢ ብጥሜት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን እቲ እንኮ ካብ ጸገም መውጽኢ ረኺቦም ዝጥቀሙሉ ዘለው ዕደና ወርቂ መንግስቲ ሽግሩ ንምቅላል ክብል ብኣልማማ ምክልኻሉ ከምዘይቅበሉዎን ዝተሰምዖም ቁጥዐ ብትሪ ገሊጾም፡፡

  

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 14/06/2010 ኣብ ከተማ ባረንቱ ብሓለፍቲ ህግደፍ ዝምራሕ ንህዝቢ ትግርኛ ጥራሕ ንበይኖም ፈሊዩ ኣኼባ ከም ዝበረሎም ተፈሊጡ፡፡ ነቶም ካልኦት ብሄራት እውን ድሒሩ ብብሄሮም ኣኼባ ከም ዝገብረሎም ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ከም ዘይተገብረሎም ተፈሊጡ፡፡ እቲ እዚ ስርዓት ንህዝቢ ብሄረ ትግርኛ ተቀማጣይ ባረንቱ ጥራሕ ንበይኑ ሕሹኽ ዝበሎ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠን ቀስ ኢልና ክነረጋግጾ ኢና ክብሉ ኣብ ውሽጢ ዘሎው ምንጪታትና ሓቢሮም፡፡