| ስርዓት ህግደፍ ሕጂ እውን ከም ኣመሉ ብሄር ኩናማ ንምጽናት ኣብ ዝጥቀመሎም ናይ ማይ ዒላታት ስሚ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ |
| Friday, 16 July 2010 06:46 |
|
ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ኦዳስ ዝተባህለ ዕደና ወርቂ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ፡ ስርሖም ከቋርጹዎ ንህዝቢ ከም ዝተኸልከለን ዝሃቡዎ ትእዛዝ ህዝቢ ስለዘይተቀበሎ ብዕለት 25/06/2010 ሩባ ወሪዶም ኣብቲ ህዝቢ ማይ ዝሰትየሎም ዒላታት ስሚ ብምንስናስ ነቲ ህዝቢ ከጽንቱ ፈቲኖም ከም ዘይሰለጦምን ፈሺሉ ከም ዝተረፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ዒላታት ሰብ ቅድሚ ማይ ምውራዱ ኣጋጣሚ ደቂ ናራ ጓሶት ወሪዶም ካብቲ ዒላ ገሊሎም ከብቶም ከም ዘስተዩሉን እተን ነቲ ማይ ዝሰተያ ኣሓ ኩለን ሽዑ ንሽዑ ምስ ሞታን እቲ ማይ ተሰሚሙ ከም ዘሎን ሰብ ከይሰትየሉ ክብሉ እቶም ጓሶት ንህዝቢ እቲ ዓዲ ከም ዝሓበሩ ይፍለጥ፡፡
ኣብዚ ኣጋጣሚ ነቲ ክስተት ሰሚዖም ብዓይኖም ክርእዩ ናብቲ ሩባ ዝኸደ ህዝቢ ነናብ ገዝኡ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ሰራዊት ህግደፍ ኣብ መንገዲ ዓጊቶም ክሕዙዎም ከም ዝፈተኑን ብፍላይ እውን ን10 መንእሰያት ደቂ ሻንበኮ ክሕዙዎም ምስ ፈተኑ ከም ዝሃደሙን ኣሳጉጎም ብቶኽሲ ፋሕ ከም ዘበሉዎምን ተረጋጊጹ፡፡ እቶም ሃዲሞም ዘመልጡ መንእሰያት ዛጊት ኣበይ ከም ዝኣተው ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ተረጋጊጹ፡፡
ብካልእ ሸነኽ ንህዝቢ ምጭናቕን ምሽባርን መዓልታዊ ተግባሩ ዝገበረ እዚ ስርዓት፡ ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ንህዝቢ ኩናማ ኣብ ዘለዎ ዝኸዶን እንዳሃደነ ከሳጉጎን ከሳቕዮን ብመደብ ተታሓሒዙዎ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ፡፡ ብዚ መሰረት ብዕለት 21/06/2010 ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ ኣይኮታ ዝበሃል ዓዲ ብምዃድ ናይ ሓደ ባድረ ኣጋሊ ዝበሃል ውልቀሰብ ዱኳን ብለይቲ ሰይሮም ከም ዝኣተውን፡ ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ንብረት ዘደልዮም ድሕሪ ምርሳይ ነቲ ዝተረፈ ኣብ መሬት ብምድርባይ ሓዋዊሶም ከም ዘበላሸውዎን የዕኒዮም ከም ዝኸዱን፡ ንጽባሒቱ ህዝቢ ሰራቒ ኣቲዩ ብምባል ኣሰር ሲዒቦም ብዝገበሩዎ ምክትታል እቲ ኣሰር ናብ ሰፈር ሰራዊት ስለዘብጽሖም ከይዛረቡ ፈሪሖም ገዲፎም ከምተመልሱ ተፈሊጡ፡፡
እዚ ከምዚ እሉንከሎ በቲ ንህዝቢ ንምጽናት ሒዙዎ ዘሎ መደብ ግብረ እከይ ስርሓቱ ብምቅጻል ከም ልማዱ ምንም ዘይኣበሱ ደቂ ኩናማ ምእሳርን ምስቃይን ተግባራቱ ይቅጽለሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 13/06/2010 ሰለስተ ተወላዶ ካብ ካርካሻ ብለይቲ ምስ ኣዋልደ ጎዶቦ ዓዲ ንምዕላል ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ ወተሃደራት ስርዓት ህግደፍ ሒዞሞም ከቢድ ማህረምቲ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝፈጸሙ ካብ ውሽጢ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ፡፡
እቶም ኣጓብዝ ኣስማቶም
እዚ ንህዝቢ ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ባህሪያዊ ሃብቲ ከይጥቀም ብምኽልካል ብጥምየት ክመውት ዝፈረደ ጉጅለ ሕጂ እውን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ዘለዎ ንዕቀትን ጽልኢን ተላዒሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ኣበሪቲዑ ቀጺሉዎ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ብዕለት 26/06/2010 ኣብ ዳሴ ን13 ጓሶት ደቂ ኩናማ ነቲ ኣብ መሮር ዓዶም ዝርከብ ገረብ ቆሪጾም ጥሪቶም ስለዘብለዑ ሒዞም ብገመድ ኣሲሮም ብርቱዕ መግረፍቲ ድሕሪ ምፍጻም ኣብ ቁሸት ኮሉኩ ኣሲሮም ድሕሪ ምህዳር ከም ዝፈነውዎም ተፈሊጡ፡፡ ካብዞም ቆልዑ ኣስማቶም ዝተፈልጠ፡-
እቲ ህዝቢ ኩናማ ኣብ ከባቢኡ ናይ ሲቪል ኣካላት ምምሕዳርን ፖሊስን ዘይለው ኮይኖም፡ ሰራዊት ብቃሕ ዝበሎም ሕጊ ጫካ ከም እንስሳ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሒዞሞ ከም ዘለው ይፍለጥ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ ጠመንጃ ሒዙ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ድኣ ይሃሉ እምበር ከምዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ዝፍጸም ዘሎ፡ መስጎግትን፣ ምቅታልን ከም ዘይለ ይፍለጥ፡፡ እዚ ከኣ እቲ መንግስቲ ብፍሉይነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ኲናት ኣዊጁ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ፡፡ ነቶም ኣብ ሰራዊት ዘለው መንእሰያት እንመሓላልፈሎም መልኽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይዓጠቀን ናብራኡ ዝመርሕ ሰላማዊ ህዝቢ ብሄረ ኩናማ ካብቶም ካልኦት ብሄራትን ህዝቢታትን ኤርትራ ብፍሉይነት ንዓኻ ዝብጸሓካን ዝርሕቀካን መንገዲ ከምዘይለን፡ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃኑ ከም ምክልኻል ሓይሊታት ሃገር ከም ምዃንካ መጠን ካባኻ ክረክቦ ዝግብኦ መስጎግቲ ዘይኮነስ ትከላኸለሉን ጸግዒ ክትኾነኖ እዩ ዝግባእ፡ ኩናማ ስለዝኾኑ ጥራሕ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ከጥፍኦምን ከጽንቶም ካብ መሬቶም ሓኺኹ ከውጽኦምን ሓሊኑ ዝገብሮ ዘሎ መሳርሒ ኮይንካ ንገዛእ ህዝብኻ ክተጥፍእ ኣይግባእን፡፡ ለብም፡ መንግስታት ሓለፍቲ እዮም፡ ምስ ህዝቢ ክትበኣስ ግን ምስ ገዛእ ነብስኻ ምብኣስን ነብሰ ቅትለት ምፍጻም ምዃኑ ኣስተብህል ንብል፡፡ ህዝቢ እንተተቆጢዑ ክለዓል እዩ፡፡ ዝኾነ ይኹን ዝዓግቶ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ፡፡ |