| 122 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሽመልባ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተፋኒዮም |
| Wednesday, 21 July 2010 09:32 |
|
ኣብቲ ኤርትራውያን ተዓቚበምሉ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ሽመልባ ዝነብሩ 122 ኤርትራውያን ብ 16 ሓምለ 2010 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝተፋነዉ ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
እቲ ዜና ኣብ 2010 ጥራይ 3100 ኤርትራውያን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ምኻድ ውጥን ከም ዘሎ ሓቢሩ 2010 ካብ ዝኣቱ ጥራይ ነዞም 122 ወሲኽካ ድሮ 1009 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፋንዮም ከም ዘለዉ ገሊጹ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ናይዞም ኤርትራውያን ናይ ጉዕዞ መደባት ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዓለም ለኻዊ ትካል ስደትን ብምትሕብባር ከም ዝካየድ ኣብቲ ዘወጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ካብ 2006 ጀሚርካ ብጥቕላላ 5, 822 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝኸዱ’ው ኣብሪሁ።
እዚ ከምዙሉ እንከሎ እቲ ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝገለጾ ክሳብ ሕጂ 50, 718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ኣቶዮም ኣብ ዝተፈላለዩ መደበር ስደተኛታት ከም ዝተመዝገቡ ተሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ብገምጋም 1,800 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉን ካብኣቶም 45% ወተሃደራት ምዃኖምን ገሊጹ።
ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን |