Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ናይ ሓዘን መግለጺ
ናይ ሓዘን መግለጺ
Friday, 23 July 2010 10:09

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፋሁነይ መስፍን ክንሰምዕ እንከለና ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ይስመዓና። ተጋዳላይ ተስፋሁነይ መስፍን ምክትል ኣቦ ወንበር ህድግኤ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ብባህሪኡ ህዱእ፡ ትሑት፡ ሕውስን ቆራጽን ኢዩ ዝነበረ።

 ንስለ ሃገሩ ደኺመ ዘይፈልጥ ክዕርፍ ዘይብልን ንዝበለጸ ውጽኢት ሓሊኑ ዝሰርሕ ተባዕ ተቓላሳይ ኢዩ። ብዘጋጠሞ ሓደጋ ካብ ቃልሲ ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፡ ንስድራቤት ስውእ፡ ንመሪሕነት ህዲግኤን፡ ንመላእ ፈተውቱን መቃልስቱን ጽንዓት የሃብኩም ንብል። ንተስፋሁነይ ከኣ ምስቶም ብኽብሪ ዝሓለፉ ጸለምትን ቀያሕትን ስውኣትና ንዘለኣለም ክንዝክሮ ኢና።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

መሪሕነት ዲምሓኩኤ

22 ሓምለ 2010