|
መኽፈቲ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ |
|
Saturday, 31 July 2010 21:13 |
|
መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሎሚ ዕለት 31/07/2010 ብዕሊ ድሕሪ ቀትሪ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ፡፡
ኣብዚ ናይ መኽፈቲ መድረኽ ወኪል ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፖሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ወኪል የመን፣ ወኪል ሱዳንን ካልኦት ዕድሜ ዝተገብረሎም ተዓደምቲ ኣጋይሽ ክረከቡ እንከሎው፡ ዋዕለኛታት ካብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ካናዳ፣ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ ስደተኛታት ካምፕ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ጋዜጠኛታት፣ ሙዚቀኛታት፣ ደቂ ኣንስቲዮን መንእሰያት ተሳቲፎሞ፡፡ መኽፈቲ ዋዕላ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል ንዑዱማት ኣጋይሽ ናይ ምቅባል ስነስርዓት ምስ ተገብረ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ንጥፈታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብቋንቋ ዓረበኛ ምስ ኣቅረበ ብትግርኛ ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ኣማሃ ደመኒኮ ኣቅሪቡ፡፡ ብድሕሪ እዚ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ ተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴ እንቋእ ናብዚ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣብጸሓና ድሕሪ ምባል መልእኽቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ ኣቅሪቡ፡፡ ብቀደም ተኸተል ካብ ካናዳ ዝመጸ ጻዕዱ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ደቂ ኣንስቲዮ፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ወኪል ስደተኛታት ሱዳን፣ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ኣሜሪካ፣ ኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ እውን ዘለዎም ጽቡቅ ትምኒት ብምግላጽ እዚ ዋዕላ ብዓወት ንክዛዘምን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምሒዩ ዝድርቢ ሓያል ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ንክወጽእ ኣብ መልእኽቲታቶም ተላቢዮም፡፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ሎሚ ናይ ንግሆ ኣንጻር እዚ ስርዓት ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ኣካይዱ፡፡ |