Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዜና ዓወት ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
ዜና ዓወት ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብዕለት 08/06/2009 ሰዓት 11፡30 ኣብ ደቡባዊ ዳንካልያ ኣከባቢ ላመሰን ካብ ዓሰብ 57 ኪ.ሜ ሪሒቃ ኣብ ትርከብ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ናይ ክ/ሰራዊት 32 ካልኣይ ብርጌድ ብዝከፈቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክብ ዝበለ ዓወት ከም ዝሓፈሰ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ፡፡

ተጋደልቲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብክልተ ሸነኽ ኣብ ዝኸፈቱዎ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓትን ህልኽ ዝመልኦ ኩናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሻዕቢያ ክብ ዝበለ ክሳራ ከም ዘውረደን፡ ኣብዚ ዕውት መጥቃዕቲ ሰራዊት ሻዕቢያ ካብ ሰሜናዊ ላመሰን ፍሉይ ሽሙ ጉሩይ ካብ ዝበሃል ቦታ ለቂቁ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዕጥቂ እውን ዛሕዚሑ እግረይ ኣውጽኢኒ እሉ ከም ዝሃደመን፡ እቲ ከባቢ ኣብ ቁጽጽር ጀጋኑ ተጋደልቲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ከም ዝኣተወ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ዕውት መጥቃዕቲ 10 ሰራዊት ሻዕቢያ ክቕተሉ እንከሎው 23 ድማ ብከቢድ ከም ዝቆሰሉን፡ 8 ክላሽንን ሓንቲ ብሬንን ዝተፈላለዩ ወትሃደራዊ ዕጥቂታት ከም ዝማረኸን ብኣጠቃላሊ ክ/ሰራዊት 32 ካልኣይ ብርጌድ ዝነበሮ ጉሩይ ሙሉ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ተጋደልቲ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መጨረሻ እቲ ውድብ ብተደጋጋሚ ከም ዘፍለጦ፡ ስርዓት ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ብሄር ዓፋር ዝወስዶ ዘሎ ጭቆናን ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ደው ክሳብ ዘየበለን፡ ብሄር ዓፋር መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ብዘይ ምሽርራፍ ክሳብ ዘየረጋግጽ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከም ዝቅጽለሉ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ውድብ ሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዕለት 27/05/2009 ኣብ ከባቢ ጎኘ ዝርከብ ናይ ኖራ ማሽን መጸገንን መቀያየሪ ኣቑሑት ከዚኑሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መካዚኖ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ን12 ኣባላት ህግደፍን ክቐትል እንከሎ ነታ መካዝኖ እውን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝገበራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉባኤ ናይ ክልቲኡ ብሄር ውድባት ንምክያድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን ዝተገብሩ ዕውታት መጥቃዕቲታት ብምዃኖም ፍሉይ ይገብሮም፡፡

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ፕሮፖጋንዳ

ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር

ጁን 09/06/2009