|
ዜና ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኩናማ ኤርትራ |
|
Thursday, 02 February 2012 12:22 |
|
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኩናማ ኤርትራ "ሓድነት ዋሕስ ህላዌን ቀጻልነትን ብሄረ ኩናማ እዩ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ብዕለት 22/02/2012 ካብ ሰዓት 11፡46 ክሳብ 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናይ ተመክሮ ምልውዋጥ መድረኽ ከም ዘዳለዋ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ናይ ተሞክሮ ምልውዋጥ መድረኽ ሓላፊ ኮሚቴ ውደባ ዲምሓኩኤ ተጋዳላይ መላኪ ቲማቴዮስ ተረኪቡ ንቀጻልነትን ዕቤትን ማሕበር ደቀንስቲዮ ኩናማ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣዘካኪሩ፤ ብዘይካዚ፡ ጸሓፊ ማምኤኩ ኣልበርቶ ኣርዳዲ፣ ኣባል ሰንቴራል ኮሚቴ ስደተኛታት ኣቶ ኣባይኑን ካለኦት ሓልፈቲ ህዝባዊያን ማሕበራት ተረኺቦም መልእኽቲ ከም ዘሕለፉ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሽሬ እንዳስላሴ ኣብ ናይ መንእሰያት ሰሚናር ዝተሳተፈት ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ማሕበር መንእሰያት ኩናማ ኤርትራ ቺቻ ኣብደላ ነቲ ሰሚናር ኣመልኪታ ሰፊሕ መብርሂ ሂባ፡፡ ኣብዚ መድረኽ ጉጅለ ባህሊ ፍረታት ሶናን ዕምባባታት ዲምሓኩኤ ተረኺበን ነቲ መድረኽ ዓቢ ድምቀትን ሞራልን ከም ዝሃበኦ ተፈሊጡ፡፡
ኣብዚ ናይ ተሞክሮ ምልውዋጥ መድረኽ ብማደኣኩኤ ዘተዳለወ ናይ ሓፍሻዊ ፍልጠት ውድድር ከምተኻየደን ንተዓወቲ ድማ ካብ ኢድ ጸሓፊ ዲምሓኩኤ ተጋዳላይ መላኪ ቲማቴዮስ ሽልማት ተዓዲሉ፡፡ እዚ መድረኽ ብዝተፈላለየ ጭርሖታት ተሰኒዩ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ዝነበሩ ጭርሖታት፡- ሓድነቱ ዘስመረ ባይቶ ዓወቱ ኣብ ኢዱ እዩ! ዕትብትና ንዝተቐብረላ መሬትና እንበቆ ህይወት የለን! ጅግንነታዊ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ኩናማ ናይ 30 ብረታዊ ቃልስና ዝምስክሮ እዩ! ዝብሉን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡
|