Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዜና መስራቲ ጉባኤ
ዜና መስራቲ ጉባኤ
Friday, 19 June 2009 14:26

ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)ን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር (ዲውቀባዓ)ን ብዕለት 14/05/2009 ኣብ ሰመራ ብመራሕቲ ናይ ክልቲኡ ውድባት   ንምምስራት ግንባር ብዝተሰማምዕዎ መሰረት፡ ካብ ክልቲኡ ውድባት ኣዳላዊት ሽማግለ ቆይማ፡ ስራሓታ ብዕቱብ ድሕሪ ምስልሳል፡ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስራቲ ጉባኤ ብዕለት 18/06/2009 ንግሆ ሰዓት 10፡15  ተጀሚሩ፡፡

ኣብዚ መስራቲ ጉባኤ፡ ኣቦ መንበር ኣዳላዊት ሽማግሌ ቀርነልዮስ ዑስማን ንተሳተፍቲ ጉባኤ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ንብሄሮምን ንህዝቦም ደሞም ዓዕጽምቶን ህይወቶም ዝሰውኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ንምዝካር ስነ ስርዓት ዝክር ሰማእታት ተካይዱ፡፡ ብምቅጻል ኣቦ መንበር ዲምሓኩኤን ኣዳላዊት ሽማግለ፡ ነዚ ጉባኤ ንምዕዋት ኣባላት ናይ ክልቲኡ ውድባት ዘሕለል ጻዕሪታት ከም ዘካየዱ ኣብሪሁ፡፡

ቀርነልዮስ ዑስማን፡ ናይቲ ጉባኤ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምዝርዛር፡ መስራቲ ጉባኤ ዝመርሑ ፕረሲዲዮም ንክመርጹ ዕድል ነቲ ገዛ ሂቡ፡፡ ብድሕሪ እዚ ገዛ ኣባላት ፕረሲዲዮም ብድምጺ ምስ መረጾም፡ ኣዳላዊት ሽማግለ መድረኽ ንኣባላት ፕረሲዲዮም ኣረኪባ፡፡

ድሕሪ መረጻ ፕረሲዲዮም እቲ ጉባኤ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዓሚቅ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ምክያድ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቁዎ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሕገ-ህንጻ እውን ብተሰመሳሳሊ ሰፊሕ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቁዎ፡፡ ካብዚ ብምቅጻል ኣደልይቲ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ጽላል ኪዳንን ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ንክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ሰፊሕ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ብሱል ዝኾኑ ርእይቶታት ኣሕሊፉ፡፡ ከምኡ እውን ናይ ክልቲኡ ውድባት መጽውዒ ግንባር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ንክኸውን ወሲኖም፡፡ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ መስራቲ ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ካብ ዕለት 18-19/06/2009 ንክልተ መዓልቲ ብውዕውዕ መንፈስ ድሕሪ ምክያድ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ፡  ብዓፋር፣ ኩናማ፣ ትግርኛ፣ ዓረብ ዝተጻሕፉ ጭርሖታትን ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣርማታት ነቲ መድረኽ ኣማዕረጎ፡፡ ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ዝነበሩ ጭርሖታት፡-

·         መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዕላማ ብቃልሲ ብሄራት ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ!!

·         ዝምድና ብሄር ዓፋርን ኩናማን ንዘልኣለም ክነብር እዩ!

·         ሓድነት ብሄራት ኤርትራ ንዘልኣለም ክነብር እዩ!

·         ዝተወጽዔ እዩ፡ ዕላማ መሰል ብሄራትን ጥቅሙን ዝፈልጥ!!

·         ዝምድናን ምትሕግጋዝ ብሄር ዓፋርን ኩናማ ይሰስን!! ዝብል ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡

ኣብዚ መስራቲ ጉባኤ ማዕከናት ዜናታት፡ ዋልታ ኢንፎርመሽን ሰንተር፣ ማዕከን ዜና ዋጋሕታ፣ ማዕከን ዜና ዲምጺ ወያኔ፣ ማዕከን ዜና ዲምሓኩኤን ማዕከን ዜና ዲውቀባዓ ከም ዝተሳተፉ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ 

 

Last Updated on Friday, 19 June 2009 16:53