| ደምዳሚ መግለጺ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ |
| Friday, 19 June 2009 16:56 |
|
መስራቲ ጉባኤ ናይ ክልትኡ ናይ ብሄር ውድባት ካብ ዕለት 18-19/06/2009 ተካይዱ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ከም ውጽኢት ከኣ ብዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ) ዝፍለጥ ግንባር ተወሊዱ፡፡ ብሄራዊያን ውድባት ዲምሓኩኤን ዲውዓቀባን ብሄራዊ መልክዕ ወደባን መሰል ብሄራትን ማእከል ብምግባር ካብ ዝቃለሱ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዝተገብረ ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ መደብ ዕዮን እቲ ግንባር ዝምርሓሉ ሕገ-ህንጻ (ውድባዊ ቅርጺን) ኣጽዲቁ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ዛዕባታት እውን ዓሙቅ ክትዕ ብምክያድ ውሳኔታትን ሚዛናት ሂቡ፡፡ ኣብ መወዳእታ መደብ ዕዮ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ሓንጺጹን ነዚ መደብ ዝፈጽምን ዝመርሕ ኣካል እውን መሪጹ፡፡ ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝተመያየጠሎም ሃገራዊ ዛዕባታት ከምዚ ዝስዕብ ይቀርብ፡፡
ሕቶ ብሄርን ብሄራዊ መልክዕ ውዳበን ብዝምልከት፡- ካብ 1995 ኣትሒዙ ሕቶ ብሄር ኣብ መሬት ኤርትራ ይቀልቀል እምበር ገና ከይተበገሰ ብስርዓት ሻዕቢያን መሻርኽቱን ነዚ ቅዱስ ተበግሶ ብዝተፈላለዩ እዋናትን ኣገባባት ክብርዕኑዎ ፈቲኖም እዮም፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ከም ህዝቢ ስለዘይጸዓር እነሆ ክልቲኤን ውድባት (ዲውዓቀባን ዲምሓኩኤን) ማዕከለን ህዝባዊ ዳግመ-ስርርዕ ብምግባር ናብዚ ጸፍሒ በጺሖም፡፡ ይኹንምበር ብድኽመት ክልቲኦም ናይ ብሄር ውድባት ብተበለጽትን ብትምክሕተኛ ሓይሊታት ክሕቆኑን ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ንፈለማ ጊዜ ግንባር ናይ ክልቲኡ ብሄራትን (ኩናማን ዓፋርን) ውድባት ቆይሙ፡፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮና ሕቶ ብሄር ብሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ክዕወት ይከኣል ኢዩ ማለት አጸጋሚ ኮይኑ ከም ዝጸንሔ እዩ፡፡ ይኹንምበር ካብ ቅንዕና ንዝተበገሰ ሓይሊ አይክሳኖን እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ሕቶ ብሄር ባይታ የብሉን ዝብሉ ትምክሕተኛታት ዳግም ዋናታት ሕቶ ብሄር ተቀልቂሎም ምህላዎም ፈሊጦም ብብሄራዊ መልክዕ ውደባ ደግመ ስርርዕ ክገብሩን ክዛተዩና እንተዘይኮይኑ ንመትከል መሰል ብሄራት ዝተፈላለየ ቀለማት ብምቅባእ ንመሰል ብሄር ደው ኢልና ማለት ወንጀል ምዃኑ ፈሊጦም መንገድኦም ክመርጹ ጉባኤተኛ ወሲኑ፡፡
ፍሉይ ጻውዒት ንብሄር ትግርኛ ኤርትራ፡- ኣብ ቃልሲ ሃገራዊ ናጽነት ከምቶም ካልኦት ብሄራት ዝኸፈልካዮ መስዋእቲ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ኣብዚ እዋን ውሕዳት ጉጂለታት ብሽም ብሄር ትግሪኛ ዘብጽሑዎ ዘሎው በደል ተለኪምካን ተነጺልካ ንክትጽላእ ተቃሊዕካ ኣለኻ፡፡ ነዚ ንምፍዋስ በቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሔ ኣገባብ ውደባን ናይ “ሓደ ልቢን ሓደ ህዝቢ” ጭርሆ ዘይኮነስ ብብሄርካ ተወዲብካ ነቶም ትምክሕተኛታት ምስ ትቐብሮም ጥራሕ ስለዝኾነ ነዚ ጻውዒት እዚ ተግባራዊ ንምግባር ተላዓል፡፡ ብብሄርካ ተወደብ! ንለውጢ ተበገስ! መሪሕ ተራ ኸኣ ተጻወት! ናይ ብሄር ውድባት መሓዙት እምበር ከምቶም ትምክሕተኛታትን ተበለጽቲን ዘውርዩዎ ጸላእትኻ ኣይኮኑን፡፡ ብብሄርካ ምስ ተወደብካን ምስ እንጽምበር ጥራሕ እዩ ክንዕወት ንኽእል፡፡ ኹለን ብሄራት ኤርትራ ከአ ነዚ ጻውዒት ግብራዊ ምላሽ ንክህቡ ጉባኤተኛ ጠሊቡ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ብብሄርካ ተወዲብካ ናብ ቃልሲ ንክትሕወስ ዲግብኤ ይጸውእ፡፡
ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብዝምልከት፡- ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ) ከም መጠን ብሄራዊ ግንባር ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ከም ጽላል ይቅበልን የኸብርን፡፡ ሕጂዉን ከም ጽላል ንክቀጽል ኣድላኢ ዘበለ ተራ ይጻወት፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነታዊ መስርሕ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ተራ ናይ ብሄር ውድባት ክንዲምንታይ ከም ዝነበረ ጥዑይ ዜጋ ክምስክሮ ዝኽእል ሓቂ እዩ፡፡ ሕጂውን እንተኮነ ብሄራዊ ግንባርና ከም ውትሩ ንሓድነት ደንበ ተቃውሞ ክሰርሕ እዩ፡፡ ረብሓ ሓድነት ብዚያዳ ዝርድኡ ናይ ብሄር ውድባት ስለዝኾኑ ንምርግጋጹ ዘይሕለል ቃልሲ ክገብሩ ባህሪያዊ እዩ፡፡
ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት፡- ቀንዲ ተዋናኣይን ብዓልቲ ዋና ናይዚ ውራይ ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኮነን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዕርቂ ምስ ሰርዓትን መሰረታዊ ለውጢን ተዳዋዊሱ ዘሎ መስርሕውን ኣይተነጸረን፡፡ ገለ ዜጋታት ክገልጹዎ ከም ዝፍትኑ እቲ ቅሉዕ ጸገም ምስልሳል ሃገራዊ ዋዕላ ብዙሕነት ውድባትን ርእይቶታት ኣይኮነን፡፡ አቀዲሙ ከም ተገልጸ ርኡይን ዝተነጸረን ዝጭበጥ ዓላማን ሽቶ ዘይምውናኑ እዩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ እቶም ውሑዳት ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታ ዝገብሩዎ ዘሎው ምንቅስቓስ (ምውዳብ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣንጻር ጸላኢን፣ ካልኦት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስት) ዝነኣድ እዩ፡፡ ማዕከል ሃገራዊ ዋዕላን ውጽኢቱን ከም ሽሙ ንዲሞክራሲን መሰረታዊ ለውጢ ኮይኑ ንሕቶ ብሄር ፍታሕ ዝህብ እንተዘይኮይኑ ናይ ኤርትራ ሰላም ኮነ ርግአት ውሕስነት የይብሉን፡፡
ወትሃደራዊ ክንፍታት ምስ ዘሎዎም ውድባት ብዝምልከት ፡- ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዲግብኤ ከም ተገልጸ ብዙሕነት ፖለቲካ እምበር ብዙሕነት ሰራዊት የለን፡፡ ናይ መጻኢ ሃገራዊ ሰራዊት ከኣ መሰረቱ ኣብ መዓርነታዊ ሱታፌ ብሄራት ክኸውን ስለ ንኣምን እቶም ወትሃደራዊ ክንፍታት ዘሎዎም ውድባት ሀ ኢሎም ምውህሃድ ክጅምሩን፣ መስርሕ ምውህሃድ ከኣ ብመትከል ሓደ ምስ ዝኾኑን፣ ብመትከል ሓደ ኣይኮኑ እምበር ኣፈላላዮም ብንጹር ኣቀሚጦም ሓድነቶም ከኣ ኣብ ምድምሳስ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዘድሃቡ ሓይሊታት ስሩዕ ዝኾነ ናይ ምትእምማን መንፈስ ብምፍጣር ክሰርሕ ከም ዝግባእ ጉባኤተኛታት ዲግብኤ ወሲኖም፡፡
ዝምድና ምስ ግንባር ተዳሙን ብዝምልከት ፡- ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጾ ምስ ግንባር ተዳሙንን ኣባላቱ ግብራዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝን ምውህሃድ ንክገብር ተዳሊዩ ኣሎ፡፡ ዲግብኤ ምስ ግንባር ተዳሙን ኮነ ምስ ተናጸል ኣባላቱ ዝግበር ርክባት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ሻዕቢያን ካብ ዘሎዎ ክቱር ጽልኣትን ንመሰረታዊ ለውጢ ካብ ዘለዎ ባህጊ ይኸውን፡፡ ብሓጺሩ ምስ ግንባር ብሄራት ምትእስሳር ንምግባር ዝደሊ ውድብ፣ ሰልፊ፤ በርገሳዊ ማህበር ኮነ ፖለቲካዊ ግንባር ማዕጾና ክፉት ከም ዝኾነ ጉባኤተኛታት ግንባር ብሄራት ኣነጺሮም፡፡
ዝምድና ካብ ኪዳን ወጻኢን መትከል መሰል ብሄራት ምስ ዝቅበሉ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ካልኦትን ብዝምልከት ፡- ዲግብኤ ካብ ኪዳን ወጻኢ ኮይኖም መሰልን መዓርነት ብሄራት ንምርግጋጽ ምስ ዝተላዓሉ ውድባት እውን ተኣሳሲሩ ንክቃለስ ምድላዋት ወዲኡ ኢዩ፡፡ ምስ ተወሰኑ ውድባት ድሮ ሓባራዊ ቃልሲ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከም ተገልጸ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ኩለን ብሄራት መሰለን ክረጋገጸለን ይግባእ፡፡ አብ ዲግብኤ ተጸምቢሩ ምስ ናይ ብሄር ውድባት ማይን ጸባን ኮይኑ ንመሰረታዊ ለውጢ ንክቃለስ ዝወሰነ ውድብ ብቀዳምነት መትከል ናይ ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል (ዘይተሸራረፈት ሙሉእ ዲሞክራሲያዊ መሰል) ምቅባል ናይ ግድን እዩ፡፡ ምክንያቱ ኣብዚ መዋዕል ኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ (ብውልቀ ኮነ ብዕኩብ) ነናቱ ክብርን ሚዛንን መሰል ስለዝጠልብ፡፡ ብርግጽ ኣብ መስርሕ ተጋድሎ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዓላማን ሽቶን ስለዝነበረና ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ተጸምቢርናን ተዓዊትናን ኢና፡፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ንዝለዓሉ ሃገራዊ ሕቶታት መዕለቢ ብምሃብ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ከምኡ እውን ኩሉ መዳያዊ መዓርነት ንምርግጋጽ በቲ ድሑርን ዝበልየ ኣገባብ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ማለት ንድየት ስለ ዝኾነ ግንባርና ኣብዚ መዳይ ዝኾነ ይኹን ምትዕጽጻፍ (compromise) ኣይገብርን፡፡ ስለዝኾነ ብሓድሽ መንፈስ፣ ብሓድሽ መትከል፣ ብሓድሽ ውደባ ንምርግጋጽ ሓዳስን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ንበገስ፡፡ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ ህዝብታትን መንግስታት ኢትዮጲያን ሱዳንን ንሰደተኛ ህዝብና መዕቆቢ ብምሃብ ዘርዩና ሓልዮት ካብ ልቢ ነመስግኖም፡፡ ቤት ምኽሪ መንግስቲ እትዮጲያ ተሰጊጎም ንዝነበሩ ዜጋታት ኤርትራ ብዝምልከት ዘውጸኦ መምርሂ ንድግፎን ንምትግባሩ ከኣ ክንረባረብ ኢና፡፡ ኣብ መጨረሽታ ብሔራት ኩናማን ዓፋርን እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ግንባር መድህኖም ስለ ዘኾነ ንምድልዳሉ ኹሉ ሸነኻዊ ሓገዝ ንክገብሩ ዲግብኤ ይጸውእ፡፡
ዓወት ንመስራቲ ጉባኤ ዲ.ግ.ብ.ኤ! ዓወት ንብሄራዊ መልክዕ ውደባ! ዓወት ንቃልሲ ብሄራት ኤርትራ! ሰኔ19 2009 |