| ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ) መሪሕነቱ መሪጹ |
| Sunday, 21 June 2009 10:34 |
|
ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)ን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር (ዲወቀባዓ) ብዕለት 14/05/2009 ኣብ ህዝባዊ ኮንፈረንሰ ሰመራ ብመራሕቲ ክልቲኡ ውድባት ግንባር ንምምስራት ብዝተሰማምዕዎ መሰረት፡ ካብ ክልቲኡ ውድባት ብሓሙሽተ ሰባት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቆይማ ስራሓታ ብዕቱብን ብዓወት ድሕሪ ምስልሳል፡ እቲ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጉባኤ ክልቲኡ ውድባት ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዕለት 18-19/06/2009 ንክልተ መዓልቲ ብምክያድ ብክብ ዝበለ ዓወት ዛዚሙ፡፡
ውጽኢት እዚ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስራቲ ጉባኤ ናይ ክልቲኡ ብሄር ውድባት "ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ (ዲግብኤ)" ስያሜ ዝሓዘ ግንባር ወሊዱ፡፡ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ መስራቲ ጉባኤ ብዕለት 18/06/2009 ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ሕገ ህንጻ ተመያይጡ ከጽድቅ እንከሎ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ዛዕባታት እውን ተመያይጡ ውሳኔታት የሕሊፉ፡፡ ኣብ ዕለት 19/06/2009 ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ መደባት ድሕሪ ምሕንጻጽ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ነቲ ግንባር ዝመርሑ መሪሕነት ብምምራጽ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡
ኣብዚ ጉባኤ ነቲ ግንባር ዝመርሑ ካብ ክልቲኡ ውድባት ሸሸውዓተ ብድምር 14 ሰባት ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ብዲሞክራሲያዊን ብሙሉእ ድምጺ ክምረጹ እንከሎው፡ ካብዞም 14 ማእከላይ ኮሚቴ ድማ 6 ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት መሪጹ፡፡ መረጻ ናይቲ ግንባር በዚ ዝተገልጸ መስርሕ ቀጺሉ ኣብ መወዳእታ ነቲ ግንባር ብኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ኮይኖም ንክመርሑ መሪጾም፡፡ በዚ መሰረት ነቲ ግንባር ብኣቦ መንበር ንክልተ ዓመት ንክመርሕ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ተጋዳላይ ኢብራሂም ሃሩን ብሙሉእ ድምጺ ክመርጽ እንከሎ፡ ነቲ ግንባር ብምክትል ኣቦ መንበር ንክመርሕ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ተጋዳላይ ቀርነልዮስ ዑስማን መሪጹ፡፡ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ እውን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተደምዲሙ፡፡ ኣብዚ መዕጸዊ ጉባኤ ደምዳሚ መግለጺን ናይ ደገፍ መልእኽቲ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ተነቢቦም፡፡ |