Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ኣብ መደበር ሽመልባ ውጽኢት ጉባኤ ገሊጹ፡፡
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ኣብ መደበር ሽመልባ ውጽኢት ጉባኤ ገሊጹ፡፡
Monday, 29 June 2009 11:25

ፈጻሚት ሽማግለ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ቀዳም ብዕለት 27/06/2009 ኣብ መደበር ስደተኛታት ሽመልባ ውጽኢት ብክልቲኡ ብሄራዊ ውድባት ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ንኣባላት ውድብን መሓዙት ሂቡ፡፡

 ኣብዚ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ዝነበረ ህይወት፣ ተሳትፎን ዲሞክራሲያዊ ኣካይዳ ብሰፊሑ ተገሊጹሎም፡፡ ብምቅጻል ኣብ መንጎ ክልቲኡ ናይ ብሄር ውድባት ዘሎ ፍቕሪ ስኒትን ኣክብሮትን ብሰፊሑ ኣብዚ ጉባኤ ከም ዝተራእዩ እውን ኣብሪሆም፡፡ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኡ ብሄር ውድባት ተጠሪዩ ዘሎ ጸጋ ተጠናኺሩ ምስ ዝቅጽል ጥራሕ ዓወት ከም ዝረጋገጽ እውን ከም ዝተሰምረሉ ብተወሳኺ ገሊጾም፡፡ መሪሕነት ዲሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ናይ መጀመሪያ ኣኼብኡ ምስ ኣካየደ፡ ውጽኢት ጉባኤ ብዝምልከት ብሄር ዓፋርን ኩናማን ኣብ ዝርከቡሉ ቦታታት ኩሉ ብምዛር ሓበሬታ ንክህቡ መደብ ወጺኡ ብኡ መሰረት ድማ ኣብ ምንጣፍ ይርከቡ፡፡ ወተሃደራዊ ኮሚቴ እውን ናብ ሰራዊት ብምውራድ ውጽኢት ጉባኤ ንክሕብሩ ከም ዝተግብረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ንዝርዝራቱ ኣብ ቀጻሊ ተኸታተሉና፡፡