Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ጥዕና ዘይብሉ ሓሶት ካብ ንተዛራቢኡ ንሰማዒኡ ሕንከት
ጥዕና ዘይብሉ ሓሶት ካብ ንተዛራቢኡ ንሰማዒኡ ሕንከት
Thursday, 04 February 2010 06:25
ኣብዚ እዋን እዚ ውደቀትን ውርደትን እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ ጃንዳ ህግደፍ ይፈለጥ ድኣ እምበር ወዮ ውደቀትን ውርደትን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ መኤርነቢ ዘይብሉ ሓሶታት ክትሰምዕ እንከሎኻ እቶም በሃልቱስ ባህለ ልምዶም ኮይኑ ኣነኸ እናፈለጥኩዎም ዝብልዎ ክሰምዕ ኣእዛነይ ምውፋየይሲ ኣነ ድኣ ተጸሊለ ኸይከውን ኢልካ ነታ ነብስኻ ክትሓታ የብቅዓካ፡፡

 

 

ሰንበት ዕለት 31/01/2010 ዓቕለ ጽበት ሰርኒቑዎም ከተርቲ ኤርትራ ጃንዳ ህግደፍ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝወሰንዎ እገዳ ኣውያት ክገብሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣታኣውዩና ክብሉ ኣኼባታት ጸዊዖም ስለ ዝነበሩ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ እውን ኣኼባ ጸዊዖም ግዱስ ኤርትራዊ እንታይ ኮንክብሉ ይኾኑ ዝብል ሓሳብ ሒዙዎ ኣብቲ ኣኼባ ኸይዱ ነይሩ፡፡

“ብወገንና ኸኣ እንታይ ከም ዝበሃል ዝሰምዑ ውፉያትና ልኢኽና ኔርና”

ዝረሐብናዮ ሓበሬታ

ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን ከም ዝበሃል፡ ልኡኽ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ዘምጽኦን ክዛረቦ ዝደሊ ዘምርሕ ብዛዕባ ዝነፍስ ዘሎ ሃዋህው ጎረባብቲ ሃገር ጎንጽታት እቲ ጎንጽታት ንኤርትራ ሃገርና እውን ክጸልዋ ከም ዝኽእል ሓቢሩ፡፡ እዚ ኸኣ ነቲ ባዕሉ ዝኣጓጉዶ ጎነጻት ንምሽፋን ድኣ እምበር ሓልዮታዊ ስክፍታ ሓዲሩዎ ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ነቲ ድሮ ተፈዲሑ ከቢድ ስምዕታታት ተዋሂቡዎ ዘሎ ንሱ ጠልቀፍቀፉ ከም ዘይገድፍ ዝብየኖ መቕጻዕቲ ስለ ዘይተርፍ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ ነቲ ጽባሕ ዝጽፍዖ ካብ ሕጂ ከእውየሉ ምጅማር ምምራጹ እዩ፡፡

ብዛዕባ እገዳ

ነዚ ሓበሬታ ክህብ እንከሎ እቲ ሉሙድ ኣሉታኡ ብምቕራብ ኣብ ርእሲ እቲ ሃገራት ተጋግየን ንኸጥቅዓና ተማዒደን ምባል ወዮ እገዳ ንኤርትራ መንግስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንውልቀ ሰለስተ ሰባት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ዓዲ ዓብዱ፣ ጠዓመ (መቐለ ሳጓኡ) እዩ ክብል ሓቢሩ፡፡

ዘገርም ሓበሬታ!

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ካን ናይ ዕዳጋ ባይቶ ኾይኑ ንውልቀ ሰባት ክሳዕ እገዳ ዓለመለኻዊ ውሳኔ ክውስነሎም ዝምድብሲ በየናይ መለክዒ በየናይ ኣገባብ ክበሃል ኣይከኣልንዶ?

ሰብ እንታይ ዓቕሚ?

ሰብ እንታይ ሓይሊ?

ሰብ እንታይ? እንታይ? እንታይ?

ኣሹንኳይዶ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ ደረጃ ኣብ ዝጸበበ ጎደና ዘይፍለጡን ካብ ተላኣኽቲ ምዃን ዘይወጹን እንታዎት ኮይኖም እዮም ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም በዚኦም ዛዕባ ከፊቱ ክዛረብ ዝኽእል?

መስርሖም ግን፡

ጃንዳ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ተጠቒምካ ምድርባይ ባህሎምን ባህርያቶምን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተዓዘብናዮ ስለ ዘሎ እቲ ኣበሃህላ ልኡኽ ሸፋቱ ናበይ የምርሕ ከም ዘሎ ንተዓዘብ፡፡

G-15

እዞም በዚ መጸውዕ ዝፍለጡ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ንነዊሕ እዋን ክሳዕ እታ ንኮረሻ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ወስ ዝበልዋ እቶም ሊቀ ሊቃውንቲ ፈላጣት ክኢላታት ሓያላት… እንታይ እሞ ዘይተባህለሎም፡፡

ኮይኑ ግን፡

እቲ ከምቲ ብወርሒ መስከረም 2009 ባዕሉ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ዝተኣመነሉ ዳግማይ ግርጭት ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝጀመሮ፡ ኣብቲ ግዜ ግርጭት ትምክሕቱ ተሳዒሩ ኣብ ሕፍረት ዝደቕደቐና፡ ነቲ ሕፍረት ባዕሉ ከይስከም ንእቶም G-15 ከም ጠለምቲ ሃገር ከም ከዳዓት ከም ፈራሃት… ኣላልዩ ንህዝባዊ ጽልኢ ዝስንድዎም ክኒኡ ኸኣ ኣጭውዩ ሎሚ ኣበይ ከም ዘለው ዘይፍለጥ ዘሎ፡ ሕጂ ኸኣ እቲ ኩሉ ክፍኣታቱ ወጠምጠማቱ ዓለም ብዓለሙ ፈንፊኑ ናብ እገዳ ዘብጽሖ እቲ እገዳ ብሰንኪ እዚኦም ከም እተተግበረ ከውርይ እሞ ብሕስረት ሃገር ከሲሱ ከሕቅቖም ንሱ ኸኣ ከምቲ ዝለመዶ ዘልመዶ ሓሸውየ እዚ ሰብኣይ ዓንቀፍቲ ምስ ዓለም ኣጓነጽቲ በዚሖምዎ ሃገር ከየማዕብላ ዓናቒፎሙዎ ከብል ገበናቱ ናብ ልዕሊኦም ክሰቅል መደብ ከም እተሓንጸጸ እዩ ዝሕብር፡፡

እዚ ኸኣ፡

“ድሓን እንተሓዲርክን ጽባሕ ንርእየክን ከም ዝበሃል ወዮ ድኣ እቲ ሽፍታዊ ስርርዕ ተበርዒኑ ሕጂዶ ድሓር ህልም እብል ይብል ኣሎ እምበር ካብ ክልተ ወርሒ ዘይበዝሕ ግዜ እንተጸኒሑ ብዛዕባ እዞም ተኣጊዶም ዝበሃሉ ዘለው ወይጦታቱ ህልምነት ክንሰምዕ ከም ዝኾንና ፍጹም ጥርጥር የልቦን፡፡

ወዮ ስምባደ

ኣተሓሳስዋኦም ሰርኒቑ ጸይቑሎም ከም ዘሎ ዘብርህ ከኣ፡ እቲ እገዳ ንእዞም ሰለስተ ወይጦታት ካብ በለ ንዕለት 22/02/2010 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ስዊዘርላንደ “ጀነቭ” ንምቅዋም እቲ እገዳ ክንገብር ስለ ዝኾንና ተመዝገቡ ኸኣ ኢሉ፡፡

ኣንቱም ሰባት

ሕዝባይ (ከምኡ ኢሉ እዩ ዝጽውዖ ኢሳያስ)

ዝብሎ ይርድኦ ድዩ ወይስ ወዮ ስምባደ ኣንጸራሪውዎ ድዩ? ክርዳኣና ዘይኽእል እቲ እገዳ ከምቲ ዝበሎ እንተድኣ ንውልቀ ሰባት ኮይኑ እሞ ንኤርትራን ኤርትራውያንን ዘይትንክፍ ኮይኑ እንታይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ተደልየ?

“እንታዎት ስለ ዝኾኑን እንታይ ስለ ዝተበደሉን እዩ እቲ እገዳ ተገይሩሎም ክብለና ዝደሎ ዘሎ እሞ ህዝቢ ኡይ ይበለሎም ማለትሲ እንታይ የስምዕ?

ካን ካን፡

ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ክንደይ ተናዒቑ ከም ዘሎ ዘገርም ኮይኑ እቲ ንዕቀት ካበይ ዝተበገሰ እዩ ምስ ዝበሃል፡ ኩሉ ከፍኣታትን ዓቕሚ ኣልቦነትን ናይ እዞም በሊዔ ኣሉ ዝኾኑ ጉጅለ ሸፋቱ ህግደፍ ተኣከብ ኢሎምኻ ክትእከብ ገንዘብ ሃባ ኢሎሙኻ ክትህብ ዝተዛረብዎ ክትሰምዕ ንሓሶቶም ትም ኢልካ ምስማዕን ተቓውሞኻ ዘይምስማዕን ኣሻዲኑዎም ድኣ እምበር ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣእምሮን ልቦናን ሰማዒኦም ውሻጠ ኣቲኻ እንተዝስማዕ ልዕሊ ማንም ሰብ ተቓዎምነት ከም ዘሎ ኣይንዝንግዖን፡፡ እዚ ኸኣ እዩ እቲ ትም ሕትም ክሳዕ መዓስ? ኣቢሉ ዘሕትተና ዘሎ እምበር ኩሉ እቲ ክሰምዖም ዝእከብ ኣኣብ ውሻጣኡ ኾይኑ ክሳዕ ክንደይ ይኽዕቦም እዩ፡፡

ክቡራን ኣንበብተይ፡

“ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ባይቶ ጸጥታኡ ዓቕሙን ሓላፍነቱን ፍሉጥ እዩ፡፡ ኣብ እገዳ ውሳኔ ክበጽሕ ዘገድዶ ኸኣ መርሚሩ ተመራሚሩ ስምዕታታት ሂቡ ድኣ እምበር ብድድ ኢሉ እዚ ይኮነን እዚ ኣይኮነን ዝብል ውሳኔ ዘሕልፍ ከም ዘይኮኑ ኩሉ ኣብ ዓለም ነባሪ ዝፈልጦ እዩ፡፡ ውልቀ ሰባት ጸዊዑ ክእግድ ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን እሞ እቲ ኣበሃህላ ወኪል እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ብኸመይ ትትርጉሙዎ? እንታይ ንምባልን ጽባሕ ከኣ እንታይ ኣብ ውሻጠኡ ምውሳንን ኮን ይኸውን?

ዘገም ኢልና ድኣ ንከታተል እምበር፡

ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣሕሰርቲ መዋረድቲ ሃገር ኮይኖም ስጉምቲ ተወሲዱሎም ከም ዝበሃለና ኣይንዝንግዖን ኢና፡፡ ተባሂሉና ኸኣ እንሓመሉ እንኹርየሉ የብልናን፡፡ ዝፈሓርካያ ጉድጓድ ንዓኻ ትቐብር ከም ዝበሃል እዚ ሕጂ ዝእለም ዘሎ ሓሶታት መቐጸልታ እቲ ኩሉ ሓሶታት ጥልመታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝገበርዎ ሕጂ ኣብቂዕኩም ትቑረኑ ሱቕ ኢልኩም ሰብ ዘይፈልጦም ኣፍሪና ኣሎና ቅያርኩም ይበሃሉ ምህላዎም ፈሊጥና እቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝከዓዓው ዘሎ ጽንተት በቲ ረሳሕ ኢዶም ዝተቐበልዎ ርስሓታት ምጭቃው እዩ፡፡

“ንኽጸንቱ ዝተቐረቡ መምላስ ሓሶት ኣውያት ይገበርሎም ግን ኣበየናይ ባህሪ ወይ ባህሊ ዓለም ከም ዘሎ ሕዝባይ.. ምነገርካናዶ?”

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡

ንሸፈነ ዓመጽ ክትግበር እቶም እገዳ ዝወሰኑ ሃገራት ብኸመይ ይኽዕብዎ ክርድኣካ ይኽል ድዩ ወይስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተሰሪጹ ማህጸናት እናኣምከነ ስድራቤታት እናዓፈነ ሕጻናት እናኣዘኽተመ ዝነብር ዘሎ ግቡኡ ኾይኑ ካብ ደልየት ህዝቢ ወጻኢ ዝተፈጸመ ጌጋ የልቦን ክበሃል ስለ ዝተደል ድዩ?

ብዕለት 19/06/2005

መርበብ ተለቪዥን ኢጣልያ ረሳሕን ውዱቕን መድሃኒታት ንኤርትራ ከም እተላእከ ከተቃልዕ እንከላ ብሰንኪ እቲ ረሳሕ ውዱቕን መድሃኒታት ክንደይ ሰብ ከም እተጎድኤ ክትጠርዕ ኽትከስስ ዘይመድለይኸ እቲ ዝተላእከ መድሃኒታት ህጹጽ ኣጽናት ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ንእቲ ብዓል ኢሳያስ ዝመደብዎ ዕላማ ስለ ዝሰማማዕ ድዩ ሱቕ ዝተባህለ?

 

“ሓልዮት ሃገርን ህዝብን እንዝህሉ ሽዑኡ እንድዩ ድኣ ነይሩ ህዝቢ ኣኪብካ ንዑ ንጥራዕ ድምጽና ነስምዕ ክበሃል ዝከኣል ነይሩ ድኣ፡፡ ኣንበብተይ እኳ ካብ መዓስ ብዛዕባ ህዝቢ ምስሓሰቡ ድኣ እዮም እሞ ጉድኣት ህዝቢ ከእውዩሉ ከም ዝብሉ እርዳእ እየ ግንከ? ንከሕስቦ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ደልሃመት ምድቕዳቑ ክነግሮ ኢለ እየ፡፡”

ቅድሚ ብርዓይ ምልዓል፡

ንሕዝባይ፡ ኣዘኻኺረ ክምዕዶ ክፍትን ድልየት ኣሎኒ፡፡ ዘድለየኒ ምኽንያት ከኣ ከብ ብሕጻኑ ብፍቕሪ ስድራ ቤት ዓቢይ ፍልጠት ስለ ዝነበረንን እቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝነበሮ ባህርን ጠባይን ስለ ዝተዘከረንን፡ ኣብዚ ሕሱም ደልሃመት መውደቒኡ ብዙሕ ስለ ዘተሓሳሰበንን እዩ፡፡

ንሱ ኸኣ፡

ኣብ 1969 ካብ ኣስመራ ቅድሚ ንሶቬት ሕብረት ክመሃር ኢሉ ምዃዱ ኣነ እኹን ስድራቤቱ ዕውት ምህሮ ናይ ህንጻ (ARCHITECT) ኣርኪተክት ወዲኡ ከኹርዓና እዩ ዝብል ባህጊ እናሃለወና፡ ወዮ ትምህርቲ ተቛሪጹ ወዮ ዝነበሮ ባህርን ጠባይን ነፊጹ ልሳን ዓመጽቲ ኾይኑ ወዮ ናይ ህንጻ ኣርኪተክት ዝተጸበናዮ ናይ ህልም ዝበለ ሓሶት ኣርኪተክት ክኸውንሲ ብዙሕ የተሓሳስበኒ እሞ ነዚ ናይዚ እዋን እዚ ደልሃመቱ ዘኪረ ንወዲሰብ ክሳዕ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝፍለ እንታ ከም ዝገብር ከመይ ከም ዝቀያየር ይሕብረኒ እሞ ኣንታ ሕዝባይ እንታይ ክትረክብ ዘዕበየካ ጽቡቕ ባህርያት ተዕርብ ኢለ ጉድ ተረኽበ ኢሳያስ ልምዲ ሓሶቱ እንተነጎደ ወዲ ባሻይ እንታይ ረኺቡዎ ዓበደ እብል፡፡

 

ሰናይ ቅነ

ካብ ወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)