Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ግ.ሃ.ድ.ኤ ጨንፈር ዋሽንቶም ዲሲ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ኣሰላስሉ
ግ.ሃ.ድ.ኤ ጨንፈር ዋሽንቶም ዲሲ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ኣሰላስሉ
Saturday, 06 February 2010 06:20

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ዋሽንቶን ብዕለት 24 ጥሪ 2010 ጨንፈራዊ ጉባኤ ብዓዋት ኣሰላስሉ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብጻይ ክፍለዝጊ መድሃኔ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣብ ውዑይ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ሰፊሕ መብርሂ ዝጠቓለለ ቃል ኣቅሪቡ። 

ጉባኤ ዕዮኡ ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ንጨንፈር ክትመርሕ ዝጸነሐት ጨንፈራዊት መሪሕነት ጨንፈራዊ ፖለቲካውን ገንዘባውን ስርርዓውን ሰፊሕ  ጸብጻት ኣቕርባ። ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ዝተምዝገበ ኣውንታዊ መኽሰባትን ዝተኸስተ ድኽመታትን መምዩ። ዞባ ኣመሪካ-ካናዳ ብሓፈሻ፡ ጨንፈራቱ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ስጥመትን ተወፋይነትን ምርግጋጽን፡ ስርርዓት ምስፋሕን ንዘካየድዎ ጻዕሪታት ንኡዱ። ናህሪ ቃልሲታቱ ክብ ክብል ዝኽእል ኣወዳድባ ጨንፈር ስኢሉ። ኣብ ጨንፈሩ ናይ ውድብን ኤዲኪን ዕማምት ብዝተወሃሃደ ኣድማዕነት ምፍጻም ዝሕግዝ መደባት ውጥኑ። 

 

ንዝመጽእ ጊዜ ንጨንፈር ዋሽንግቶን ዲሲ እትመርሕ ጨንፈራዊት መሪሕነት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

5 ጥሪ 2010