| ኣብ ከባቢ ሰንዓፈን ከባብኣን ሰፊሕ ግፋታት ማእሰርቲ |
| Monday, 08 February 2010 10:19 |
|
ናብ 15 ጥሪ 2010 ዘውግሕ ቅድሚ ሰላት ኣልፈጅር ኣብ ሰንዓፈን ከባብኣን ሓይልታት ጸጥታ ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ግፋታት ከም ዘካየዱን ካብ መደቀሲአኮም ኣተንሲኦም ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከም ዝኣሰሩን ካብቲ ከባቢ ምንጪ ግሃድኤ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገልጹ። ምንጪና ከም ተኸታተሎ ነቲ ግፋታት ዝመረሐ ዓሊ እብራሂም ዓሊ ይባሃል። ወዲ ማርባር’ዩ። ካብቶም ዚተኣሰሩ ዜጋታት ምንጪና ኣስማቶም ክረኽቦም ዝኸኣለ ናይ እምባሶይራ ዝስዕቡ’ዮም፦ 1. ሱለይማን እብራሂም ወዲ ሓምሳ ዓመት። ኣቦ ትሽዓተ ቆልዑ። 2. ማሕሙድ ሱለይማን ዑመር ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ። 3. መሓመድ እብራሂም እማዒል ባህሪያዊ ስንክልና ዘሎዎ። 4. መሓመድ ሰዒድ ኣሕመድ ማሕሙድ ኣቡኡ ኣብ 2000 ብሓይልታት ጸጥታ ተጨዊዩ ዛጊት ደሃዩ ዘይፍለጥ።
እቶም እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይሰራው ኣብ ጉልበታዊ ከቢድ ዕዮ የሳቕይዎምን ንመዓልቲ (ቁርሲ፣ ምሳሕ፣ ድራር) ሰለስተ ባኒ ጥራይ ይዕድልዎምን ምህላዎም ምንጪና ወሲኹ ሓብሩ።
ብኻልእ ዜና ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ኣብ ሱዳን መዓስከር ሽገራብ ዚተመዝገቡ ሓደስቲ ስደተኛታት 2106 ከም ዝበጸሐ ምንጪ ግሃድኤ ካብቲ ከባቢ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣራጋግጹ። ካብ’ኣቶም 47 ህጻናትን 15 ስድራቤታትን ነፍስ ወከፍ ስድራቤት ካብ 5 ክሳብ 6 ኣባላት ትሓቝፍ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኢቶጵያ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ዝርከቡ ስደተኛታት ዝስዕብ’ዩ፦ ኣብ ትግራይ፦ ሽመልባ 9738። ማይዓይኒ 15482። ድምሩ፦25220። ኣብ ዓፋር፦ ባራሕለ 10699። ኣሳዓይታ 9290። ድምሩ፦19989። ኣብ ኣዲስ ኣበባ 230። ካብ 2006 ክሳብ 2009 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዚሰገሩ 5822። ኣብ 2010 ድማ 3100 ኪሰግሩ’ዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ዝነበሩ ጠቕላላ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን 45439’ዩ። እዚ ነቲ ኣብ ካብ መጀመርታ ጥሪ ክሳብ ሕጂ ዝኣተዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣየጠቓልልን’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ 6 ለካቲት 2010
|