Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዕዉት ህዝባዊ ንጥፈታት ሰራዊት ግሃድኤ፡
ዕዉት ህዝባዊ ንጥፈታት ሰራዊት ግሃድኤ፡
Tuesday, 05 May 2009 06:34

ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ25 ሚያዝያ 2009 ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ከባቢ ኣኽራን ዝርከባ ዓድታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓዲ ዒንጣ ተንቀሳቒሶም ብርክት ንዝበሉ ገባራት ኣብ ማእከሎም ተረኺቦም ካብ ሓደ ሰዓት ንላዕሊ ዝኸውን ግዜ ብእኩብ ኣዘራሪቦም። ኮምኡውን ብዛዕባ ዕላማታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝገልጹ ጽሑፋት ዘርጊሖም ክብል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ዝለኣኾ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ህዝባዊ ስርሓት ተዋፊሮም ይነጥፉ ምህላዎም ዝተገንዘበ ስለያ ኣሃዱ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ከበባ መጻወድያ የእትዩ ንክኸቦምን ሓደጋ ከውርደሎምን ዝገበሮ እከይ ፈተነ ብሓያልን ውሕሉልን ነብሰ ምክልኻል ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዘይ ምንም ክሳራ ከምዝፈሸለ፡፡ ብተወሳኺ ሎሚ ይኹን ጽባሕ’ውን እንተኾነ ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኣትዮም ንዘካይድዎ ህዝባዊ ንጥፈታት፡ ንክዓግት ወይ ከቕህም ብትእዛዝ ዲክታቶር ኢሰያስ ብዝወፍር ጸረ-ህዝቢ ስለያ ኣሃዱ ስርዓት ህግደፍ ከምዘይርዕዱን ብሓያል ነብሰ-ተወፋይነት ከምዝምክቱን ደጊሞም ኣረጋጊጾም ክብል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ግልጺ ጌሩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3 ግንቦት 2009