| ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸ ሃገራዊ ዜና |
| Tuesday, 05 May 2009 06:44 |
|
ስርዓት ህግደፍ ካብ ገባር ሓርስቶት ኣባል ብሄር ኩናማ መሬት ሕርሻ ብሓይሊ ይምንጥል ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ብዕለት 17/04/2009 ገባር ሓርስታይ ብሄር ኩናማ ከም ድላዩ ኣስፊሑ ንከይሓርስ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ብዝብል ጉልባብ ኣብ ህዝቢ ብምእዋጅ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኢደ ወነኑ ናይ ሕርሻ መሬት እንዳቆረሰ ይዕድል ከም ዘሎ ተረጋጊጹ፡፡ ናይ ሕርሻ መሬት ቆሪሶም ዝህቡ ኮሚቴ ብምቋም ንሓንቲ ሄክታር መሬት ንክዕድሉ ካብ ዋና መሬት 30.00 ናቕፋ ይወስዱ ከም ዘሎው እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ካብ ሓዳ ንላዕሊ ናይ ሕርሻ መሬት ንዘሎዎም ኣባላት ብሄር ኩናማ ሓንቲ ቦታ ብምግዳፍ እቲ ዝተረፈ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ብምባል ብሓይሊ ይምንዝዖም ከምዘሎን፡ መሬት ኣብ ዝዕድሉሉ እዋን፡ በዓል ሓዳር ይኹን ኣይኹን ብቀዳምነት ሳዋ ወሪዱ ወትሃደራዊ ስልጠና ዘይወሰደ ኣይዕደልን ዝብል ኣወጅ ብምእዋጅ ብዚ መሰረት መሬቶም ብሓይሊ ይምንዝዖም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ብዕለት 22/04/2009 ኣመሓዳሪ ቁሸት ኣቡርና ሻማሎ ሻምባር ንተቀማጦ ቁሸት ኣቡርና ኣብ ጉዳይ ናይ ሕርሻ መሬት ኣኼባ ከም ዘካየደሎም ተፈሊጡ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ናይ ሕርሻ መሬት ብዝምልከት ኣብ ክልተ ከፊሉ ከም ዝመዝገቡዎም እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ እቲ ዝነበረ ምዝገባ ካብ 60 ዕድሜ ንታሕቲን ንላዕሊን ብዝብል ከም ዝመዝገቡን ኣገልግሎት ዘይወደኤ ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዘይዕደሎ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝነገሮም እቲ ዝመጸና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡
ብካልእ ዜና፡ ስርዓት ህግደፍ ብዕለት 17/04/2009 ኣብ ፎደን ከባቢ ኣቡርና ግፋ እንተካየደውን ከም ዘይተዓወተ እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ ኣባላት ህግደፍ ጓሶት ተመሲሎም ብለይቲ ላምባዲና እንዳብረሁ ንጓሶት ክሕዙ እንተፈተኑ እውን ህዝቢ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ስለ ዘፍሸሎም ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝገበሩዎ ናይ ግፋ ፈተነ ከም ዝፈሸለ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንከተማ ባረንቱ ጥሪት ንከይኣትዋን ካብ ከተማ ንዝርከባ ጥሪት እውን ካብ ከተማ ንክወጽኣ ከም ዝገበረን፡ ንከተማ ተመሊሰን ንከይኣትዋ ዝቆጻጸሩ ሰባት ብምምዳብ፡ ኣምሊጠን ንዝኣተዋ ጥሪት ብገንዘብ ይቀጽዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ጠለ-በጊዕ ኣምሊጠን እንተደኣ ኣቲየን 100.00 ናቕፋ፡ ግመል፣ ከብቲ፣ ኣድጊ ኣምሊጠን እንተደኣ ኣቲየን ካብ ዋናታት 500.00 ናቕፋ ይቀጽዑ ከም ዘለው ምንጪታትና ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ዲምሓኩኤ |