| ኣይፋል ንህግደፍ!! ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድ! |
| Tuesday, 02 March 2010 12:44 |
|
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ነበርቲ ከተማ ሪያድ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዕለት 26 ለካቲት 2010 ኣብ ውሽጢ ማሕበረ-ኮም ሪያድ ንዝተኻየደ ሓፈሻዊ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተቐማጦ ሪያድ ብግልጺ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣይፋል ክብልዎ ከምዝበቕዑ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ከተማ ሪያድ ሓቢሮም።
ምንጭታትና ከምዘረጋገጽዎ እቲ ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ነቲ ለዋህ ህዝብና ብናይ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ኣሳቢቦም ናይ ወፈያ ገንዘብ ምግሓጥ ዝለመዱ፡ ሎሚ’ውን ናይ ጸረ እገዳ መኸተ ኣመኽኒና ክንሓልቦ ኢና ካብ ዝብል ተበጊሶም ዕሱባት ዋህዮታቶም ኣብቲ ውሽጢ ኣኼባ ብምውፋር ናይ ሓሶት ወፈራ’ኳ እንተካየዱ ኣይሰለጦምን። ብኣንጻሩ ህግደፋውያን ዘይተጸበይዎ ረኺቦም። ኤርትራዊ ተቐማጣይ ሪያድ ውዲታቶም ኣፍሺሉ ባዕሉ ዝኣመነሉን ዝውስኖን ወፈያ ክውስን በቒዑ።
ኣብቲ ዝተጸወዐ ኣኼባ ኮራኹር ህግደፍ እቲ ናይ ፈወያ ኣርእስቲ ምስ ተላዕለ ሓለይቲ ክመስሉ ተቐዳዲሞም ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣቕረቡ፡-
1- ሙሉእ መሃያ፡ 2- 100 ዶላር፡ 3- 1000 ሪያል፡ ብምቕጻል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪያድ፡ ካብ ጉርሕን ሸርሕን ተላዒሉ “በሉ ብዙሕ ርእይቶታት ቀሪቡ ስለዘሎ ኣነ ብወገነይ እቲ ዝሓሸ ዝብሎ፡ እዚ ጉዳይ ንጎይቶኦም ናይ ማሕበረ ኮም ሓላፊ ክንገድፈሉ ንሱ ከኣ ሓንቲ ኮሚቴ ኣቊሙ እቲ ዝሓሸ እዩ ዝበልዎ ክውስኑ” ምስ በለ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ተሳታፊ ብምሉኡ ብቕጽበት ኮነኖ። “ሎሚ ኢና ባዕልና ንውስን” ዝብል ሓያል ተቓውሞ ኣስምዐ። ስዒቡ ኣብ ርእይቶኡ ምስ ደረቀ በቲ ኣኼበኛ ክውሰን ከኣ ግድን ኮነ። ሓደ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓዲሽ ናይ ይኣክል ‘ኣይፋል’ ተርእዮ ብዙሓት ለባማትን ዓበይቲ ሰባትን ብዙሕ ቁምነገር ሓዘል ትሕዝቶ ዘሎዎ ርእይቶታቶም ብትብዓት ክገልጹ ምኸሎም ዝዓበየ ተርእዮ ምንባሩ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ውዕሎ ጸብጺቦም’ዮም።
ካብቶም ዝቐረቡ ርእይቶታት “ንሕና ካብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዝና፡ ድሕሪኡ’ውን ንኣሰታት 20 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ኣብ ጎኒ መንግስትናን ህዝብናን ደው ብምባል ኩሉ ዓቕምና ዘፍቅዶ ወፈያታት ይኹን ደገፋት ካብ ምሃብ ዘይተቆጠብና ንመንግስትና’ውን ኣሕሊፍና ዘይሃብና ምዃንና ምስክርነት ዘየድሊዮ ሓቂ እዩ። እተን ናይ መጀመርታ 10 ዓመታት ሃገር ባዶ እያ ጸኒሓቶም ዕድል ንሃቦም እናበልና ብተስፋ ሰጊርናየን ድሕሪኡ መንግስትና ኣብ ኣድላይነቱ ዘይተነጸረ፡ ዘየድሊ ውግእን ወረ ውግእን ድሕሪ ምእታዉ ብዙሕ ዘይተጸበናዮ ሽግራት ከጋጥመና ድሕሪ ምጽንሑ ብፍላይ እዘን ናይ መጨረሻ 5 ዓመታት መንግስትና ንዓና ዘይሓስብ ኮይኑ ረኺብናዮ ብኣዝዩ ድንግርግር ዝበለ ኣካይዳ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘይተኣደነ ሕሰመ-መከራ ክሳጣሕ ተዓዚብና” ዝብል ሓሳባቶም ድሕሪ ምግላጽ “ሎሚ ግን እቲ ዝስላዕ ወፈያ ገንዘብ ነቲ ዘለና ናይ መነባብሮ ክብሪ ይኹን ዘጓንፈና ዘሎ ጸገማት ኣብ ግምት ዘእተወ ዳኣ ክኸውን አለዎ እምበር ምሉእ መሃያ ዶ፡ 1000 ሪያል፡ ወላ’ውን 100 ዶላር፡ ንዝተባህለ ዝኸውን ዓቕሚ ስለዘይብልና ሓደ ካብ ሚእቲ 1%፡ ካብ መሃያ ኣብ ዝብል ርእይቶ ንሰማማዕ” ብማለት እቲ 2% ዝብል ዝነበረ ክፍሊት ናብ 3% ሓፍ ኢሉ ንክልተ ዓመታት ክቕጽል ከምዝወሰኑ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ሪያድ ሓቢሮም።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 2 መጋቢት 2010 |