Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ንብረት ኤርትራውያን ዝህግር መምርሒ ወጺኡ፡
ንብረት ኤርትራውያን ዝህግር መምርሒ ወጺኡ፡
Thursday, 04 March 2010 14:19
ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ንብረት ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከቡ    ኤርትራውያን ዝህግር ሓድሽ መምርሒ ከምዘውጸአ ካብ ፈረንሳይ እትፍኖ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 23 ለካቲት ፈነወኣ ምንጭታታ ካብ ኣስመራ ብምጥቃስ ሓቢራ።


ሬድዮ ኤረና ከም ዝሓበረቶ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሰያስ ብቐጥታ ዝወጸ መምርሒ፣ ዋንነቱ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣባላት ተቓወምቲ፣ ዝኾነ ንብረት ኮነ ትካል ክዕሸግ ወይ ክህገር ዝእዝዝ ከምዝኾነ። ነዚ ንምትግባር ድሮ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣጻራዪት ኮሚቴ ቆይማ ከምዘላ፡ እዛ ብኣርባዕተ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ፣ ሰለስተ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝቖመት ኮሚቴ ዘሕለፈቶ ውሳኔ ዝትግብር ሓይሊውን ከምዝቖመ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሰያስ ዝወጸ ትእዛዝ ብዕለት 14  ለካቲት ዝተመሓላለፈ እኳ እንተኾነ፣ ኣቐዲሙ ምድላዋት ተገይሩሉ ከምዝጸንሐ እታ ሬድዮ ኣብ ናይ 23 ለካቲ 2010 ፈነወኣ ሓቢራ።

   
እዚ ንብረት ኮነ ትካል ውልቀሰባት ብፍላይ ኣብ ተቓውሞ ዝነጥፉ ይኹኑ፣ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ደው ዝበሉ ዝዘምት ትእዛዝ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ብተወሳኺ ሓቢራ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3 መጋቢት 2010