| ኣብ ግብሪ ይውዓል ብዘይ ግዜ ምቕታል |
| Thursday, 04 March 2010 14:24 |
|
(ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) መልሲ ንምልክታ ጸረ ህግደፍ) ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ይብሉ ለባማት መሰልቲ እሞ፡፡ እዚ ሕጂ ብመምህር ተስፉ ዘውደ ዕለት 28/02/2010 ብመንገዲ መርበብ ኢንተርነት ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ፡ እወ ቅዱስ ሓበሬታ ንምቅላዕን ምቕላዕን ኮራኩር እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ተሓሲቡ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ዘረባን ምይይጥን ዘይኮነ ኣብ ትርጉም ብግብሪ ክውዕል ናይ ግድን እዩ፡፡ ግድን ዝገብሮ ኸኣ፡ እዞም ሕሱም ነቐዝ ኮይኖም ስድራቤታት ኣብ ስቓይ ሃገር ሕንከት ደቕዲቖማ ዘለው እኩባን ጉጅለ ሸፋቱ ህግደፍ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ተዘሪቡ ተላዚቡ ኣብ ተግባር ብዘይምብጽሑ ኣተፍኒኑዎም ኣሳዕሪሩዎም ስለ ዝጸንሔ ዕድመ ህላዌኦም እናነወሔ ስቓይ ስድራቤታት ኤርትራ እናበዘሔ ህይወት ኤርትራውያን ኣብ ፍቖዶ ምድረበዳን ባሕሪ ውቅያኖስን እናተዘሕዘሔ ከም ዝጸንሔ ፍሉጥን ዝተረጋገጸን እዩ፡፡ ኣብዚ ዘብጽሖ ኸኣ፡ ኩሉ ተቓዋማይ እየ ዝብል ላምሲ ብኢዳ እናቐረባ ብእግራ ትሓክኽ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ክምክት ከም ዘለዎ እናኣመነት ንዑኡ ንምምካት እናተቓለሰት እቲ ኣብ ዙርያኣ ዝርከብ መሓውራቱ (ወይጦታቱ) ለሚኖም ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራት መንግስትና ገፊዑና መሰል ህላዌ ከሊኡና እናበሉ እናኣደንገጹ ይነብሩ፡ ድርብ መልሓሶም ከይሓፈሩ በብዘለውዎ ስለ ጎይታኦም እናጨደሩ ዝነብሩ ኾይኖም ህዝቢ ኤርትራ ንምሕግሓግ ሸፋቱ ከይዕጠቕ ዘወናብዱ ኾይኖም ጸኒሖም፡፡ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣኣብ ዝርከብዎ ሃገርን ከተማን ኣኣብ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩሉ ዘሎ ዝሃብዎ ቃላት ኣብ ምእታዎምን፡ መሰል ህላዌ ተዋሂቡዎም ዝፍጽምዎ ተግባራትን ክልተ ኣንጻር ኩነት ስለ ዝኾነ እቲ ዑቕባ ዝሓተትዎ ስለምንታይ እቲ ዘገልግልዎ ንምንታይ ተነጺሩ ክፍለጥ ናይ ግድን እዩ፡፡ ዑቕባ ለገስቲ ሃገራት፡ ንዝልግሳሉን ዘይልግሳሉን ቅጥዕታት ኣለወን፡፡ እዚ ኸኣ ኣብ ኩለን እተን ሃገራት ዝሰፈረ መስርሕ ዓንቀጻት ኣለወን፡፡ እቲ ሓታት ዑቕባ ብኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘጋጠሞ ጸገማት ሰነድ መሊኡ ብዘቕረቦ ሓተታ ኮይኑ መሕተቲ ዑቕባ ዝህቦ ቃላት "ኣብ ሃገረይ መሰል ህላዌይ ተነፊጉ ብማእሰርትን ስቓይን ኣብ ክጻወሮ ዘይኽእል ኩነት በጺሔ ካብ ዘሎ ስርዓት ክሃድም ነብሰይ ከድሕን ተገዲደ ይብል፡" በዚ መሰረት ከኣ ሃገሩ ሰላም ኣብ ዝሰፈነላ ንሃገሩ ተመላሳይ ከም ዝኾነ እውን ይፍርም እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኩሎም ህዝብታት እዚ መሪር ትዕድልትታትና ገዲዱና ኸኣ ኣብ ፍቖዶ ዓለም ዑቕባ ሓቲትና ንነብር ምህላውና ኽከሓድ ኣይከኣልን እሞ፡ እቲ ካብ ሽፍታዊ ስርዓት ንምልጋስ ዝተዋህበና ዕድል ዑቕባ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት እዚ ዘብቅዓና ዓመጽ ኣሉ ኢልና፡ ንካብ ሃገርና ከም እንበንን ዝገበረና ግፍዒኛ ስርዓት ኣብ ኩናኔ ዓለም ምስ በጽሔ ኣይትኾንንዎ "ንሕና ናቱ ንሱ ናትና" ክንብል እንከሎና ንነብስና ኣሉነትን ተናዓቕትነትን ንሽልማ ምህላውና ኣይረሳዕ፡፡ ነዚ ኸኣ እዮም! ብዕለት 22-02-2010 ንእቶም ጨራሕቲ ላሕታት ታቱላ ንሕና ናቱ ንሱ ናትና ክብሉ ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ ጀነቫ ክግዕርሩ ዝወዓሉ ከም ንዑቕ ንፋስ ዘራጊቶ ኣሽንኳይዶ ማዕከናት ዜና ክልተ መስመር ዜና እውን ተኣኪቦም ምንባሮም ዘይተዛረበሎም እምበር ኣሹንኳይዶ እኩባት ጨራሕቲ ክትሓልፍ ዝተረግጽት ድሙ እውን ንኣፍልጦ ህዝቢ ይንገረላ እዩ፡፡ መን እዮም እዞም ላሕተትቲ? ኩልና ንፈልጦም ኣድራጋውያን ኣኣብ ገዝኦም ነቲ ዝሕለቑሉ ይሓምዩዎ ሰብ ክሓምዮ ኣብ ዝሰምዑ ኸኣ ዝሕስውሉ ኾይኖም እቲ ጸገም ህዝቢ ውርደት ሃገር ዘይስመዖም ኢሓላፍነታውያን ወይጦታት ብስም ጽጉማት ግፉዓት ኤርትራውያን ተዓቒቦም ዝነብሩ ከም ዝኾኑ ስውር ኣይኮነን፡፡ "ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሽፍትነት ከኣ ነዚኦም ተኣማሚኑ እዩ ህዝበይ ምሳይ እናበለ ዝድብሎን ንኹሉ ርኡይ ዓመጻቱ ኣሉ ዝብሎን፡፡ እዚ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ማሕበራት፣ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ውልቀሰባት ንኹሉ እቲ ከተንፍስ ዘኽእሎ ዘበለ ክንሓንቆ ክንጽንቅቖ ዝግበኣ ንሕና ኢና፡፡ ዓመጺ ስርዓት እዩ፣ ግፍዔኛ እዩ ወዘተ... እናበልና ብዛዕባኡ ክንዛረብ ጥራሕ ካብ ጊዜና ነሕልፍ ብዕቱብ መሾንቖቓ ከነእትወሉ ይግበኣና፡፡ እንተድኣ እቲ ኣብ ህዝብና ሳዕሪሩ ዘሎ ምረት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘኒቡ ዘሎ ውርደት ሕስረት ብሓቂ ተሰሚዑና ክንኣልዮ ንደልይ እንተኾንና፡ ከም ኣብነት ጠቒሰ ከዘኻኽሮ ዝደሊ! ኤርትራውያን ከምዚ ሎሚ ዓለም ምሳና ጸላእ ጸላኢና ዘለዎ እዋን ዘይኮነ ንእንምክቶ ዝነበርና ባዕዳዊ መግዛእቲ ዓጢቕና ክንምክቶ እንከሎና ዓለም ብዓለማ ሓብሓቢት ገዛእቲ ኾይና ንጸገምናን ሓቅናን ክትሽፍኖ እንከላ ዘጥረየቶም ዕሱባት ብዘይንሕስያ በብዝሓለፉዎ በብዘለውዎ ዘራጊሕና ዓሳብን ተዓሳብን ኣላሽ ኣቢልና ኢና፡፡ "ሎሚኸ እቲ ጽንዓት እትን ዕጥቅን ናበይ ኣበለ?" ሎሚ ከምቲ ናይ ቀደም! ንዝዕሰቡ ንኸይዕሰቡ ምቕታል ምጥንቃቕ ኣድላያይ ኣይኮነን፡፡ ዘየድልየሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ንነብር ስለ ዘሎና መኸተና ብሕጊ፣ ብፍትሒ ከነዔውቶ እንኽእለሉ ባይታ ኣሎ፡፡ ንሱ ኸኣ፡ በብዘሎናዮ ዓዲ፣ ከተማ፣ ኣውራጃ፣ ሃገር ናብ ዝምልከቶም ቤት ጽሕፈታት ብእኩባት ድዩ ብጉጅለ፣ ብሽማግለ፡ ንዓለም ፈሊጡ ኣብ ኩነና ኣብጺሑዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ኩለን ደሞክራሲያውያን ሃገራት እዚ እከይን ግዕዘይን ሓብሓብ ህውከትን ተለልዩ ተኣጊዱ ዘሎ ስርዓት ኣገልገልቱ ብቋንቋኹም ከም በዳሊኦም ዓማጺኦም ሰኒዶሙልኩም ከብቅዑ ናቱ መጋበርያን መናሃርያን ኮይኖም ንእቲ ስርዓት እንቃወም ዝርዝር ኣስማትና ኣስማት ኣብ ሃገር ዘሎው ስድራቤታትና እናኣመሓላለፉ ዝተሓባበርዎ ብልግሲ ዑቕባኹም ዝነብሩ ከምኡ እውን ጸረ እቲ ደሞክራሲያዊ ቅዋም ሃገርኩም ዝኾነ ዜግነት ሓቲቶም ክትህብዎም እንከለኹም ዝመሓልዎ ማሕላ ኣሉ ኢሎም ዝነብሩ ናይ ኤርትራውያን ህላዌ ክጸንት ዝጽዕሩ ስለ ዘለው ኣብ ሕጊ ኣቕሪብኩም ፍትሓዊ ውሳኔ መልሲ ክትምልሹሎም ንእታ ኣብ መጀመርያ ሓተታ ዑቕባኦም ሰነዶም ዝፈረሙሉ ቅሳነት ኣብ ዝህልው ኣብ ዓደይ ክምለስ ቅሩብ እየ ዝበልዋ ሎሚ ከሳርሕዎ ዝልእኮም ድኣ እምበር ዝዕምጾም ስርዓት ከም ዘየለ ባዕሎም ስለ ዝመስከሩ ነታ ፈርማኦም ከተረጋግጽዋ ንጠልብ ተባሂሉ ብዕቱባዊ ሕጊ ከነትሕዞም ከነጠርዞም ኽንክእል ንግደድ፡፡ እዚ ምስ ዝግበር፡ ኣብ ኤርትራ ተጨውዩ ዝርከብ ዘሎ ህዝብና ትንፋስ ይረክብ ጨውዩ ዘሳቕዮ ዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ከኣ ይዓርብ እሞ እዚ ኣብ ኢድና ኣብ መቕርብና ዘሎ ስጉምቲ ብህጹጽ ክውሰድ ኣለዎ፡፡ ነዚ ኣወንታ እዚ እውን መጽናዕቲ ሞኽባዕቲ ኢልካ ግዜ ክምጠጥ እንተኾይኑ ንነፍስ ወከፍ ሕልና ከሕፍር ይግባእ፡፡ እዚ መበልየይ፡ ክቡር ብጻየይ ዕላማ መምህር ተስፉ ዘውደ ሓቢሩዎ ዘሎ ጊዜ ክወስዱ እዮም ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ የብለይን እምነተይ ክኣ ልዑል እዩ ትብዓቱን ቆራጽነቱን ስለ ዝፈል፡፡ ኮይኑ ግን ነታ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ኣወንታዊት ስለ ዝኾነት ኩሎም ዘንበብዋ ደቂ ሃገር ብዘይወዓል ሕደር ንኸተግብርዋ ሓደራ ንኽብልን ከዘኻኽርን ኢለ እዮም እሞ፡ ዓለም ምስኽር እናሃለወና እንታይ ኣዘንግዔና ኢለ ብርዔይ ኤልዕል፡፡ ሰናይ ቅነ ወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) |