| ብዙሕነታዊ ሓድነት ኣብ ኤርትራ |
| Thursday, 04 March 2010 14:25 |
|
ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ትሸዓተ ብሄራት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ኩሎም ብስኒትን ፍቕርን ንዘመናት ብሰላም ዝነብሩላ ኢያ፡፡ እዞም ብሄራትን ብሄረሰባትን ነናቶም ጂኦግራፊያዊ ኣሰፋፍራ ዘለዎም ኣብ ዘዘለውዎ ከባቢ ኸኣ ነናቶም ዘተፈላለየ ቋንቋ፣ ባህልን ልምድን ዘለዎም ህዝብታት ኢዮም፡፡ እዚ ፍልልያቶም ምንም ከይዓንቀፎም ኩሎም ነናቶም ያታዊ ክብርታቶም ዓቂቦም ነንሓድሕዶም ተኸባቢሮም ስጋብ ሎሚ ብሰላም ይነብሩ ኣለው፡፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ስርዓት ሻዕቢያ ዝተኸተሎ ዓሌታዊ ፖሊሲ እዚ ሓድነት ህዝብና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ባህላዊ ውርሻታት ብሄራትን ብሄረሰባትን ኤርትራ ኣብ ከብሒ ኣብ ውሻጠ ከም ዝሕባእን ናይ ሓደ ብሄር ባህልታትን ልምድታትን ጥራሕ ክቃላሕን ክዕብልልን ኣብ ኩሉ መድረኻትን መዳይን ሂወት ነቲ ህዝቢ ኤርትራዊ ባህሊ ማለት ናይዚ ሓደ ብሄር ጥራሕ ከምዝኾነ ንምእማንን ነቲ ሕብረ-ብሄራዊ ኣቋውማ ህዝብና ብምኽሓድን ንምድምሳስን ንኹሉ ኤርትራዊ ናብ ናይ ሓደ ብሄር ቋንቋን ባህልን ልምድታትን ንኽቅበልን ኣብኡ ንክርዕም ከገድዱዎ ብሙሉእ ሓይሎም ሓኾት ክብሉ ንዕዘቦ ኣለና፡፡ ዝኾነ ሰብ ከኣ ብብሄራዊ ማንነቱ ንዝመጾ ጥቕዓት ኣንጻሩ ደው ኣብ ዝብለሉ ከም ዓሌታዊ ዝረኣየሉን ብጀካ ኣባላት ብሄረ ትግርኛ ኣባላት እቶም ካልኦት ብሄራት ማንነቶም ከሓብኡ ዝግደዱሉ ኩነታት ሎሚ ኣብ ኤርትራ መዓልታዊ ተርእዮን ብድሆን ኮይኑ ይርከብ፡፡ እዚ ኹነታት ካብ ምንታይ መጺዩ ዝብል ሕቶ እምበኣር ክፍተሽን ፈውሲ ክናደየሉ ዝግባእ ናይዚ ጊዜና ዓቢ ሕቶ ኮይኑ ይርከብ፡፡
ሓደ እዋን ሓደ ተወላዲ ብሄረ ትግርኛ ዝኾነ ዓረከይ ከም ዝበሎ ብሓፈሻ ህዝቢ ከበሳ ካብ መግዛእቲ ዝወረሶ ጽልዋ ከምቲ ጢሊያን ንሓበሻ ኣብ ኮምቦሽታቶን ከልእ ንሶም ዝቕመጡሉ ከባቢታት ኣስመራ ንኸይዛወሩ ብምኽልኻልን ነቲ ህዝቢ ኣትሒቱ ዝርእዮ ዝነበረን ኣያ ጥልያን እንዳበሉ ዝጽውዑዎ ዝነበሩን ብድሕሪ ሓርነት ነዚ ምልካዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይተማሃረን ዘይነቐሐን ዝበሉዎም ብሄራት ኤርትራ ከንጸባረቑዎ ፈቲኖም ኢዮም፡፡ እሞ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤረትራ ከምዚ ዝሓስብ እንተደኣ ኮይኑ እቶም መራሕቲ ሻዕቢያ ካብኡ ዝፍለ ስነ-አእምራዊ ኣቋውማ ካበይ ከምጽኡ ደሓር ከኣ ኣስኳላ ጢሊያን እንዳኣሎም ተማሂሮም፡፡ ስለዚ ብቐንዱ እቲ ሽግር ኣብቲ ህዝቢ ዝነበረ’ኳ እንተኾነ እዚ ትምክሕተኛን ዓሌታውን መንግስቲ ነቲ ሽግረ ኣብ ክንድ ዝመሓየሽን ዝውገድን ከምዝጋደድ እዩ ገይሩ፡፡
እቲ ሕብረ-ብሄራዊ ኣቋወማ ሃገርና ጸጋ ክንሱ ከም ጠንቂ ምትፍናን ምንዕዓቅን ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር እቲ ጸቢብነትን ዓሌታውነትን ዝመሰረቱ ስርዓት ሻዕቢያ ሙኳኑ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ እዚ ምልካዊ ስርዓት እዚ ስልጣን ኣብ ሓደ ሰብ ዝጠርነፈን ንሓደ ብሄር ጥራሕ መንግስታዊ ስልጣን ዝግብተሉ ዕድል ዝፈጠረን ኮይኑ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ ሓደ መድረኽ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ተሓቲቱ ዝተዛረቦ ክጠቅስ “እቲ ኣብ ኤርትራ ብቑጽሩ ዝበዝሐ ህዝቢ ነቲ ዝግብኦ ከይረኸበ ዲሞክራሲ ዝበሃል የለን” ብምባል ነቲ ጸቢብ ኣተሓሳስባኡን ዓሌታውነቱን ጋህዲ ገይሩዎ ኢዩ፡፡ ንሙኳኑኸ እዚ ንሱ ዝተዛረበሉ ህዝቢ እቲ ዝደለዮ ረኺቡ ዲዩ እንተድኣ ኢልና ወላ ሓንቲ ኣይረኸበን ጥራሕ ዘይኮነስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብሄራት ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ተገፊፉን ተገፊዑን ኢዩ፡፡ ነዚ ስነ-ሓሳብ መሰረት ብምግባር እዩ እምበኣር መንግስቲ ሻዕቢያ ንሓደ ናቱ ብሄር ረብሓ ጥራሕ ዘቐድምን ንረብሓ ካልኦት ኩሎም ብሄራት ሃገርና ብስስዔ ብምምንጣል ወሰን ዝብሎም ዘሎን ነቶም ውሑዳት ኮራኩሩን ሰዓብቱን ድማ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ስልጣን ብሒቶም ኣብ ልዕሊ ብሄራት ኤርትራ ከም ድላዮም ቸይቸይ ንኽብሉ ገይሩዎም ዘሎ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩለን ዞባታት ብሰንኪ እዞም ውሕዳት ትምክሕተኛታት ጉዳይ መሬት፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ፍትሕን ብወገነይ ወገንካን ብኣድሉዎን ብዘተመራስሐ ምሕደራ ተበላሸወዩ ክዕረ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ፡፡ ኣብ ኩሉ ተዋረድ ስልጣን መንግስቲ ምዕሩይ ተሳታፍነትን ተሰማዕነትን ብሄራት ስለዘየለ ሎሚ ብፍላይ ብሄረ ኩናማ እንዳተበደለን እንዳተቐትለን ናብ መን ኢና ኣቤት ንብሎ ደይ ኩሎም ንሶምዮም ብምባል ትም ኢሉ ዝሓልፎም ጉዳያት ማእለያ የብሎምን፡፡
ከምቲ ጢሊያን ኣያ ናይ ሓበሻ ዝነበረ ንሳቶምውን ኣያ ናይቶም ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ኢና ብዝብል ስነ-ኣእሙራዊ ኩነት ዝተለክፉ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ እምበኣር ንሃገርና ዝመርሑሉ ዘለውሉ ስነ-ሓሳብ ባዕዳዊ ኢዩ፡፡ ናብቲ መንቀሊ ዘረባይ እንክምለስ እቲ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝበሃል መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ ወገሐ ጸብሐ ዝዝምረሉ ትረጉሙስ ዝርድኦ ኣይመስለንን፡፡ ብመጀመሪያ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝረጋገጽ እቲ ብዙሕነት ዝብል ኣምር ሓቀኛ ትርጉሙ ኣብ ባይታ ክረጋገጽ ከሎ እዩ፡፡ እዚ ማለት ኸኣ ኩሎም ብሄራት ሃገርና ብናቶም ባህሊ ከይተሰከፉ ክነብሩ፤ ብቋነቁኦም ክጥቀሙ ሙሉእ ነጻነት ክህልዎም ከሎ፤ ኩሎም ብሄራት ሃገርና ንናይ ኩላቶም ባህልታት ማዓረ ሙኳኖም ኣፍልጦ ክህቡ ከለው ኢዩ፡፡ ሰባት ብብሄራዊ ማንነቶም ክኾርዑን ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳይ ከኣ ማዕረ ተሳታፍነቶም ክረጋገጽን ከሎ ዝተረረ ሓድነት ህዝብታት ሃሊዩ ንናይ ሓባር ረብሓ ሃገሮም ክሃንጹ ጥጡሕ ባይታ ይፍጠር፡፡ ስለዚ ኩላትና ደቂ ኤርትራ ነዚ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ የእቲዩ ንሃገርና ናብ ገምገም ጥፍኣት ዝመረሓ ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስረዓት ኢሰያስ ከየሀምለና ብኣጉኡ ክንነቕሓሉን ክንዋጎኦን ይግበኣና፡፡ ነዚ ዓሌታዊ ናይ ኣፓርታይድ ስርዓት ኣሊና ንኹልና ዝሓይሽ ንሃገርና ናብ ልምዓትን ምዕባለን ዘሰጉማ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንክንሃንጽ ጽባሕ ዘይባሃሎ ናይ ሎሚ መንእሰይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ምኳኑ ፈሊጥና እጅገና ሰብሲብና ኣብ ጎኒ ደምበ ተቃውሞ ንሰለፍ፡፡
እቲ ሓድነትና ኣብ ብዙሕነትና ብቓልሲ ኩሎም ቕኑዕ ልቦና ዘለዎም ኤርትራዊያን ሓቀኛ ትርጉሙ ከነልብሶ ኢና፡፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ብብሄራዊ ማንነቱ ዘይንጸለሉን ዘይጭቆነሉ ዘይግፋዓሉ መዋእል ንሃገርና ኤርትራ፡፡
የቐንየለይ
ብ ወዲ በንጂ |