| ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግሌ ሃገራዊ ዋዕላ ተኽለሰንበት ተኽላይ ኣብ ኮሎን ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ |
| Thursday, 04 March 2010 14:27 |
|
ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግሌ ሃገራዊ ዋዕላ ተኽለሰንበት ተኽላይ ምስ "ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኮሎንን ከባቢኣን" ምዝ ዝተባህለት በርጌሳዊ ማሕበር ክፉት ናይ እንካን ሃባን ምሽት ብምኽፋት ነቲ ከነዕውቶ ንጓየዩሉ ዘሎና ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ዝተመያየጠ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ሓቢሩ፡፡
አብቲ ምሸት ብዓቢ ሃረርታን ድልየትን ካብ ዚቐረቡ ገለ ሕቶታት ከአ እዞም ዚስዕቡ እዮም ነይሮም፡፡ 1. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ወይ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ ዘየዐወቶ ጕዳይ ሃዋንዲለ ኣሰናዳኢት ሽማግሌኹም ብከመይ ከተዐውቶ ትጽቢት ይግበረላ? 2. ዕላማታት ሃዋንዲለ እንታይ ኢዩ? 3. ናብ ሃዋንዲለ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ክፍልታት ህዝብና መነ-መን ኢዮም? 4. ነዚ ዓቢ ዕማም‘ዚ ንምዕዋት ዘተኣማምን ገንዘባዊ ምንጪ ካበይ ክመጽእ ርኢኹሞ አሎኹም? 5. አብ ኡንዲስቱሪያዊ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ አብ ሃዋንዲለ ክሳተፍ ዘጸግም አይመስልን፤ እሞ አብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወዘተ. ዘሎ ዝበዝሕ ህዝብና ተሳታፍነቱ ብከመይ ከተውሕሱልና ትኽእሉ? 6. ንኤርትራዊ ማዕከን-ፍልጠት-ዜና (media center: websites, radios, paltalk rooms) ብከመይ ከተዋስኡ ኢኹም? 7. አብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና አብ ሃዋንዲለ ክሳተፍ ተኽእሎ አሎዶ? 8. ንሕና ከም መጠን ኤርትራዊ ማሕበሰብ ከሎንን ከባቢአን አብ ሃዋንዲለ ከንሳተፍ እንታይ ቅጥዕታት ከነማለእ ክህልወና‘ዩ? ነዚ ሕቶታ‘ዚ መሰረት ብምግባር ዚቐረበ መልሲ፦ · ውድባትና ዛጊት ቀጥታዊ ባርኾት ህዝቢ አይወናን ዘለዋ፡፡ ሎሚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ቈይማ አላ፡፡ እዚ ብመጠኑ ኣፎናዊ ምልኣት‘ዩ፡፡ አብቲ ብዓቢ ሃረርታ እንጽበዮ ሃዋንዲለ ከአ ህዝቢ ቆጸሊ ዘንበረሎምን ባርኾቱ ዝህቦምን ሃገራዊ ባይቶ/መሪሕነት ክምረጹ ኢዮም፡፡ · ሃገራዊ ዋዕላ ንደንበ ተቓውሞ ብምምእካል ሓደ ዓይነት ሃገራዊ ባይቶ ክገብር‘ዩ፡፡ ህዝብና ተአማሚኑን ብሃገራዊ ባይቶኡ ተማእኪሉን ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክሐኮ‘ዩ፡፡ ከምኡ እዚ ባይቶ‘ዚ ክሳዕ ቅዋማውን ሕጋውን መምርሒ ነተአታቱን ብዲሞክራስያዊ ቅጥዒ ስልጣን ንቀባበልን ብግዚያውነት ሃገር ከማእክል‘ዩ፡፡ · አብ ሃገራዊ ዋዕላ ህዝብን ተጋደልትን ክሳተፍዎ ኢዮም፡፡ ገለ ናይዚ ዝርዝር ከአ፦ 1. ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ኤርትራዊ ዲሞ. ኪዳንን ወጻኢ ካብ ኪዳንን 2. ስቪካዊ ማሕበራት 3. ደቂኣንስትዮ 4. መንእሰያት 5. ማዕከን ፍልጠት ዜና 6. ምሁራትን ተመራመርትን 7. መራሕቲ ሃይማኖታት 8. ዓበይቲ ዓዲ 9. ስነ-ኪነታውያን፦ ማለት ሙዚቀኛታት፣ ደረፍቲ፣ ተዋዘይቲ፣ ሰኣልቲ 10. ሞያውያን ኣካላት፦ ከም ጠበቓታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ሓካይም ወዘተ. 11. ገዳይም ተጋደልቲ (ቀዳሞት መራሕቲ) · ንስራሕ ንምዕዋት ዝኸውን ሓገዛት ካብ ህዝብናን ኣዕሩዅን ጎረባብትን ሃገራት ክንሓትት ኢና፡፡ ስለዚ በቐዳምነት ህዝቢ ጕዳዩ ንምዕዋት ክሳተፍን ገንዘባዊ ደገፋት ክውፍን ክንሓትት ኢና፡፡ ንኤርትራን ሕዝባን ሰሰናይ ዝምንዩ ሕዝቢታትን መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራትውን እጃም ከም ዘበርከቱን ዝከአሎም ክሕጉዙ ምዃኖም ትጽቢት አሎ፡፡ · ኤርትራ ብህግዲፍ ጅሆ ተታሒዛትሉ አብ ዘላትሉ እዋን ካብ ውሽጢ ሃገርና ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ከተሳትፎም፣ እሞ ኸአ ተመሊሶም ናብቲ ዝለአኾም ሸነኻት ክዋስኡ ዝኽእሉ ሰባት ከትጽዕድ ግብራዊ አይመስልን፡፡ ብዝኾነ ጕዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ዜጋ ክጽውዖ ዚጸንሐ ጠለብ‘ዩ፤ እዞም አብ ወጻኢ እንርከብ ዜጋታት ድማ ነቲ መስርሕ ክንጅምሮ ናጽነት አሎና፡፡ ይኹን እምበር እዚ መፈለምታ‘ዩ፣ እቲ ቀንዲ ሃገራዊ ዋዕላ ከአ አብ ሃገር ተመሊስና ከም ነጋብኦን ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚሳተፎን አይንጠራጠርን፡፡ · ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከሎንን ከባቢአን እንተዀነ እውን መታን አብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፍ ብቐዳምነት ህላዊኡ እናሓበረ ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክዋሳእ ክህልዎ ኢዩ፡፡ ንኣብነት ኣነ ኣብዚ ሰሜናዊ ዞናት ኤውርጳ፣ ኤመሪካ ከምኡ ክሳዕ ኣውስትራልያ ነቲ ዜናዊ ሽማግለ ክውክል‘የ፡፡ ካልኦት ወካይል ንኡስ ሽማግለ ኣሰናዳኢት ኣካል‘ውን አብዚ ከባቢ አለዉ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ ንስራሓት ንዝምልከቶ ክፍሊ ናይ ምሕባርን ምትሕብባርን ግዴታ አለዎ፡፡ ስለዚ ዝተጠቕሰ ማሕበር ሓገዛት ክገብረልና፣ ወከልቱ ንሃገራዊ ዋዕላ፣ ማለት 30 ሓምለ 2010 ክቕርበልና ወዘተ. ይኽእል፡፡
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜና ኣሰናዳኢት ሽማግሌ ሃገራዊ ዋዕላ |