Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ምልክታ
ምልክታ

ኡስ ሽማግለ ውደባን ኣገልግሎትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰቪካዊ ማሕበራትን ካልኦት ማሕበራዊ ክፍልታት ናይ ዋዕላ ተሳትፎ ጠለባት ክትቅበል ቅርብቲ ምህላዋ ትሕብር። ነቲ ጠለብ ዘቕርቡ ኣካላት ከማልእዎ ዝግበኦም መምዘንታት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ:

 

1. ኣብ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምእማን

2. ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምዃን

3. ውድባውን ምምሕዳራውን ትካል ምውናን።

 

ዝቐርብ ጠለብ ድማ ብኣቦመንበር እቲ ትካል ወይ ውድብ  ኮይኑ ናብ ኣቦመንበር  ሽማግለ ሰክረታርያት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኢዩ።እቲ ጠለብ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክቐርብ ይግበኦ። This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it    p.o.box 1143 (1110) Addis abeba – Ethiopia

ጠለብ ዝቐርበሉ ግዜ ክሳብ 31 መጋቢት 2010።

 

 

 

ሽማግለ ውደባን ኣገልግሎትን

03/03/2010

 

 

Last Updated on Sunday, 07 March 2010 12:14