| ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራ ማይ-ዓይኒ ተኻይዱ |
| Wednesday, 10 March 2010 15:30 |
|
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ማይ -ዓይኒ በቲ ናይቲ መዓስከር ምምሕዳር ዝተዳለወ ሕውነታዊ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዝሓለፈ ቀዳም ብ6 መጋቢት ድሙቕን ምዕሩግን ኮይኑ ከም ዘምሰየ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ልኡኽ ደሃይ ኤርትራ ሓቢሩ። ኣብዚ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ካብ መቐለ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ትግራይ፣ ምስ ናይ ሽመልባን ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብሓባር ብምዃን ኣብ ማይ-ዓይኒ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕውነታውን ሰላማውን ባህላውን ምርኢት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ ናይ ሰላምን ሕውነታውን ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣጋጣሚ ዝተፈላለዩ ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይን ከምኡ ድማ ካብ መዓስከር ሽመልባ ኣሳዒታን በርሓለን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወከሉ ተረኺቦም።
ኣቶ ረዳኣይ ኣጽብሃ ኣመሃዳሪ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ማይ-ዓይኒ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ ዓላማ ናይዚ ምርኢት ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ንምጥንካር ብምሓሳብ ዝተገብረ ምዃኑ ገሊጹ። ኣስዒቡ ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራ እናበዝሐ ይመጽእ ብምህላው ብጀካ እተን ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢለን ዝዕቁባን ዘተኣናግዳን ዘለዋ ኣብ ከባቢ ትግራይ ዝርከባ ካልእ ሓድሽ ሳልሳይ መዕቖቢ ጣቢያ ኣብ ክልል ትግራይ ጸለምቲ ወረዳ ዓዲ ሓሩሽ ዝተብሃለ ንምኽፋት ምድላው እናተወደአ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣቶ ርድኣይ ብተወሳኺ ብዝዕባ ዝተፈለየ ዕድላት ረኺቦም ንወጻኢ ዝኸዱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣመልኪቱ እውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ፡፡ |