Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ዜና ዓወት ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
ዜና ዓወት ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
Saturday, 09 May 2009 12:09

ተጋደልቲ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብ4 ግንቦት 2009 ኣብ ደንካልያ ኡዱድ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሰፊሩ ዝነበረ ኣካል ክፍለ ሰራዊት መበል 12 ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ህግደፍ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ናይቲ ውድብ ክፍሊ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ሓቢሩ፡፡

 

እቲ ዜና ከም ዝገለጾ በዚ ስርሒት እቲ ሰራዊት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ዕጥቅን ስንቅን መኻዚኖታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወን እቲ ሰራዊት ድሕሪ እዚ ዕውት መጥቃዕቲ ብሰላም ናብ ቦትኡ ከም ዝተመልሰ ሓቢሩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ እቲ ውድብ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዝድምሰስ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንክስለፍ ጸዊዑ፡፡

 

እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ፡ ናይዚ ውድብ ኣቦ መንበር ብጻይ ኢብራሂም ሃሩን፡ ሰርዓት ህግደፍ ሰፈራ ብዘብል ጉልባብ ንህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ድሌቶም ወጻኢ የፈናቕል ከም ዘሎ ምሕባሩ እቲ ክፍሊ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ገሊጹ፡፡ ንሱ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ምፍንቓል ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይ ፍርድን ስርዓትን ከም ዝርሽን እውን ኣቃሊዑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ዘርኢ ናይ ምጥፍእ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ ጠቒሱ፡፡