| ዜና: ህዝባዊ ሰሚናር ኣፋር |
| Friday, 15 May 2009 08:17 |
|
ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ተጋዳላይ ቀርነልዮስ ዑስማን፡ ኣብ ህዝባዊ ሰሚናር ዓፋር ንክሳተፍ ዲሞክራሲያዊ ውደብ ቀይሕ ባሕር ኣፋር ብዝገብረሉ ዕድመ መሰረት ናብቲ ቦታ ከም ዝተጓዘ ተፈሊጡ፡፡
ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፋር ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ምስ ዝርከብ ብሄር ኣፋር ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ንከካይድ ብዝወሰኖ መሰረት ኣቦ መንበር ዲምሓኩኤ ቀርነልዮስ ዑስማን ብዝተገብረሉ ዕድመ ብዕለት 13/05/2009 ሎጊያ ከም ዝኣተወን፡ ምስ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፋር ኢብራሂም ሃሩን ብሓባር፡ ብሰንኪ ግፍዓዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝፈትውዋ ዓዶም ተፈናቒሎም ኣብ መደበር ስደተኛታት ዓስዓይታ ኣብ ዝርከቡ መደበር ስደተኛታት ዑደት ኣካይዶም፡፡ ኣብዚ ዑደት እዚ ኣብቲ ስደተኛታት ካምፕ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታትን፣ ሽማግለ ዓዲን፣ ዓበይቲን ሰፊሕ ሌላ ከም ዝገበሩ ካብቲ ቦታ ወኪልና ጸብጺቡ፡፡
ብተመሳሳሊ ብዕለት 14/05/2009 ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ተፈናቒሎም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓስዓይታ ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ARA ወኪል ብዝተረኺቡዎ ዑደት ከም ዘካየዱን ህልው ኩነታት እቶም ስደተኛታት መብርሂ ከም ብምሃብ፡ ዝድለ ዘበለ ምክትታልን ሓገዛት እውን ንክገብሩሎም ቃል ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ፡፡
ኣብዚ ህዝባዊ ሰሚናር ብርክት ዝበለ ናይ ዜና ማዕከናት ይሳተፉ ከም ዘለውን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዑደት ብምግባር ቃለ መሕትታት እውን ከም ዘካየዱ ወኪልና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ሰሚናር ዝሳተፉ ማዕከናት ዜና፡- ሬድዮን ቴሌቪዝን ደሃይ ኤርትራ፣ ቴሌቪዝን ኢትዮጵያ (ETV)፣ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፣ ማዕከን ዜና ጀርመን (V.O.A) ዋሽንግተን ፖስት፣ ሱዳን ቱሩቡንን ወጋሕታን ከም ዝተረኽቡ ካብቲ ቦታ ወኪልና ጸብጺቡ፡፡ እዚ ህዝባዊ ሰሚናር እዚ ሎሚ ዕለት 15/05/2009 ክጅመር እዩ፡፡ |