ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ካብ ዕለት 21/04/2009 ክሳብ 23/04/2009 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ውሳኔ ዝረኸበ ህዝባዊ ኮንፈረንሰን ንምፍጻሙ ዓቢ ትጽቢት ዝተግበረሉ ኮንፈረንስ ብዕለት 15/05/2009 ዑዱማት ኣጋይሽን፣ ብዙሓት ተኸፈልቲ ኣብ ዝተረኽቡዎ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ከም ዝተጀመረ ወኪልና ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ፡፡ ኣብዚ ህዝባዊ ኮንፈረንስ መሓዛ ውድብ ዲምሓኩኤ ናይቲ ኮንፈረንስ ዑዱም ኮይኑ ኣብኡ ተረኺቡ፡፡
ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ተጋዳላይ ቀርነልዮስ ዑስማን፡ ኣብ ህዝባዊ ሰሚናር ዓፋር ንክሳተፍ ዲሞክራሲያዊ ውደብ ቀይሕ ባሕር ኣፋር ብዝገብረሉ ዕድመ መሰረት ናብቲ ቦታ ከም ዝተጓዘ ተፈሊጡ፡፡